ሶማልን ብሪጣንያን ኣብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘትየን

RADIO ERENA:- Wednesday , 28 February 2024

ብጸሓፊ ሓይልታት ምክልኻል፡ ጄምስ ሂፐይ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ብሪጣንያ ኣብ ሶማል ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ላለዋይ በዓል ስልጣን ዝመርሖ ልኡኽ ብሪጣንያ፡ ብ25 ለካቲት ናብ ሞቛድሾ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ተራኺቡ፡ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ዝገብርኦ ዘለዋ ምትሕግጋዝ ገምጊሙ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ሶማልን ብሪጣንያን ኣንጻር ሽበራ ዝገብርኦ ዘለዋ ሓባራዊ ቃልሲን፡ ጸጥታ እቲ ዞባ ንምውሓስ ኣብ ዝህሉ ናይ መጻኢ መደባትን’ውን ተመያይጦም።

ብሪጣንያ፡ ንሶማል እትህቦ ዘላ ወትሃደራዊ ስልጠና ዘመስገነ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ንዓቓብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብሰራዊት ሶማል ንምትካእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ሓጋዚ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ኤርትራ ካልኦት ሃገራትን ኣሽሓት ወትሃደራት እተሰልጠን ዘላ ሶማል፡ ሃገራዊ ሰራዊት ኣብ ምቛም፡ ካብ ቱርኪ፡ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ካልኦትን ‘ውን ወትሃደራዊ ድጋፍ ይግበረላ ምህላዉ ይፍለጥ።

ክሳብ መወዳእታ 2024፡ ሶማል ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከም እትኸውንን፡ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዝርከብ ኣስታት 30 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፤ ብሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ክትክእዩ መንግስቲ ሶማል ተመባጺዑ።

እንተኾነ፡ ብጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪን ሉኣላውነትን ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ነቲ ብመንግስቲ ሶማል ተነቢሩ ዘሎ መብጽዓ ዕንቅፋት ከይከውን ይስጋእ።

ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሶማል ዝበዝሑ ወትሃደራት ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዋፊረን ዘለዋ ሃገራት’ያ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኢትዮጵያ ኣብቲ ምስ ሶማል ዘዋስን ሰፊሕ ከባቢታት ዶብ፡ ብዝሒ ሰራዊት ብምውፋር፡ ንምንቅስቃስ ኣልሸባብ ገቲኤን ካብ ዘለዋ ጎረባብቲ ምዃና ይግለጽ።

ኣንጻር ኣልሸባብ ንኣስታት 18 ዓመታት ኣብ ዝቐጸለ ሓባራዊ ቃልሲ፡ መሻርኽቲ ዝጸንሓ ዘን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ’ቲ ኢትዮጵያ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ኣብ ምስሕሓብ’የን ዝርከባ።

እቲ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዝፈቐድ ንርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ድማ ከም ሃገር ኣፍልጦ ዝህብ፡ ዝተኸተመ ሰነድ፡ ንሉአላውነትን ግዝአታዊ ሓድነትን ሶማል ዝግህስ ምዃኑ ብወገን መንግስቲ ሶማል ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎ ይርከብ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0