ስዑዲ ዓረብ ኣማኢት ወትሃደራት የመን ኣሰልጢና

Radio Erena: 03 March 2017

Yemen Army

ስዑዲ ዓረብ ከተሰልጥኖም ዝጸንሐት ኣማኢት የመናውያን ወትሃደራት ኣመሪቓ።

እቶም ብሮቡዕ 1 መጋቢት ኣብ ከተማ ዓደን ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተኻየደሎም፣ ወትሃደራት፣ ምስ ሰራዊት መንግስቲ የመን ተጸንቢሮም ኣብ ምቁጽጻር እታ ሃገርን ምውሓስ ጸጥታን እጃሞም ከበርክቱ ምዃኖም ንኣዘዝቲ ሰራዊት ልፍንቲ ብምጥቃስ ጋልፍ ኒውስ ሓቢራ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ሰራዊት ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ 2015 ኣብ የመን ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ካብ ዝጅምር፣ ኣብ የመንን ኤርትራን ኣሽሓት ወትሃደራት መንግስቲ የመን ከምዝሰልጠኑ’ዩ ዝግለጽ።

ብምትሕግጋዝ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ኣማኢት ወትሃደራት ናይቲ ብሃገራት ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን፣ ኣብ ዓደን ኣብ ሓለዋ ትካላት መንግስቲ ተዋፊሮም ከምዘለዉ’የን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝገልጻ።

=========================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0