ስዑዲ ዓረብ፣  ደቂንስትዮ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መኪና ምዝዋር ክጅምራ ‘የን

ስዑዲ ዓረብ፣ ደቂንስትዮ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መኪና ምዝዋር ክጅምራ ‘የን

Radio Erena: 09 May 2018

Women drive in Saudi Arabia

ካብ 24 ሰነ 2018 ኣትሒዘን ደቂንስትዮ ስዑዲ ዓረብ መኪና ክዝወራ ከምዝጅምራ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ክፍሊ ትራፊክ እታ ሃገር ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኩሉቲ ዘድሊ ቅጥዕታት ተማሊኡ ስለዘሎ፣ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ደቂንስትዮ ስዑዲ ዓረብ፣ መኪና ክዝውራ ከምዝኽእላ ትእዝዛዝ ተዋሂቡ ምህላዉ ሓቢሩ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ደቂንስትዮ መኪና ክዝውራ ዝፈቕድ ኣዋጅ ከምዘውጽአት ዝዝከር’ዩ።

እታ ሃገር ብዘይካ’ዚ፣ ብእተኣታዎ ዘላ “ብራኢ 2030” ዝፍለጥ ሓድሽ ናይ ለውጢ ተበግሶታት፣ ደቂንስትዮ ኣባላት ሰራዊት ክኾና ከምዝኽእላን’ውን ኣዊጃ’ያ።

ምስ ደቂ ተባዕትዮ ሓቢረን ኣብ ሜዳታት ስፖርትን ሲነማን ክኣትዋ ዝፈቐደት ስዑዲ፣ ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት ክሳተፋ’ውን ዕድል ክትህብ ጀሚራ ኣላ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0