ስዑዲ ዓረብ፣ ዝተሰነዐ ስእሊ ንጉስ ፈይሰል ዘለዎ ናይ ታሪኽ መምሃሪ መጻሕፍቲ የዛርብ

ስዑዲ ዓረብ፣ ዝተሰነዐ ስእሊ ንጉስ ፈይሰል ዘለዎ ናይ ታሪኽ መምሃሪ መጻሕፍቲ የዛርብ

Radio Erena: 26 September 2017

feisel and yoda

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘዳለወቶ ናይ ታሪኽ መምሃሪ መጻሕፍቲ፣ ንጉስ ፈይሰል ምስ ሓደ ካብ ገጸ ባህሪ ፊልም ስታር ዎርስ ዝኾነ “ዮዳ” ኮፍ ኢሉ ዘርኢ ስእሊ ብጌጋ ምዝርግሑ ኣብታ ሃገር የዛርብ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ክፍሊ ካሪክለም ስዑዲ ዓረብ ዝተዳለወ ናይ ታሪኽ መምሃሪ መጻሕፍቲ፣ እቲ ካብ 60ታትን 70ታትን መራሒ ስዑዲ ዓረብ ዝነበረ ንጉስ ፈይሰል ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት መደረ እናሃበ እንከሎ፣ ኣብ ጎኑ ድማ፣ ኣብ ፊልም ስታር ዎርስ፣ ማስተር ጀዳይ እናተባህለ ዝፍለጥ ‘ዮዳ’ ኣብ ጎኑ ኮፍ ኢሉ ይርአ።

እቲ ብፎቶሾብ ተቐናቢሩ ዝተሳእለ ኽኸውን ከምዝኽእል ዝተገመተ ስእሊ ንጉስ ፈይሰልን ዮዳን ብኸመይ ኣብ ናይ ታሪኽ መምሃሪ መጻሕፍቲ ተሓቲሙ ከምዝተዘርግሐ ምጽራይ ይገብረሉ ኣሎ።

ንጉስ ፈይሰል ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት መደረ እንሃበ እንከሎ ብኣካል ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ነቲ ፍጻሜ ከምዝዝክርዎ ብምጥቃስ፣ ኣብ ጎኑ ግና ዮዳ ከምዘይነበረ፣ ብመልክዕ ላግጺ ይጠቕሱ ኣለዉ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ነዚ ሓደ ብኽብሪ ካብ እትዝክሮም ነጋውሳ ዘናሹ ስእሊ ዝሓቖፈ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ቤትንባብን ካልእን ትእክቦ ኣላ።

ኣብ ልዕሊ’ቶም ነዚ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ዘዳለው፣ ዘሕተሙን ዝዘርግሑን’ውን ተሪር ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽእል ሓያሎ ወገናት ስግኣታቶም ይገልጹ።

ኣብታ ስታር ዎርስ እትብል ፊልም፣ ብማስተር ጀዳይ ዝፍለጥ ‘ዮዳ’ ግናይ ትርኢት ዘለዎ ደቂቕ ፍጥረት ኮይኑ፣ ብጥበብን ሓይልን ግና መዳርግቲ ዘይብሉ ገጸ ባህሪ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0