ስዑዲ ዓረብ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ 30% ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 16 ሽሕ ወጻእተኛታት ኣሲራ

Radio Erena: 23 January 2023

ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን ሕጊ ዕዮን ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 16 ሽሕ ወጻእተኛታት ከምዝኣሰረት፣ ሳውዲ ጋዜጣ ሓቢራ።

ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር፣ ካብ 12 ክሳብ 18 ጥሪ ኣብ ዘካየድዎ ግፋን ተፍትሽን፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓዶም ዝወደቐ፣ ልዕሊ 9 ሽሕ ወጻእተኛታት ክኣስሩ እንከለዉ፣ እቶም ልዕሊ 4 ሽሕ ድማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ሰጊርኩም ተባሂሎም ዝተታሕዙ ምዃኖም እታ ጋዜጣ ኣመልኪታ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣስታት 2 ሽሕ ዝኾኑ ወጻእተኛታት ሕጊ ዕዮ እታ ሃገር ጥሒስኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ’ዮም።

67% ካብቶም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣስሩ ወጻእተኛታት የመናውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም 30 ድማ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም እታ ጋዜጣ ኣገንዚባ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ እዛ ሓዳሽ ዓመት ካብ እትጀምር ብተመሳሳሊ ጉዳያት ዝተኣስሩ ብዝሒ ወጻእተኛታት 28, 773 ምዃኑ ተጠቒሱ።

እታ ሃገር፣ ንወጻእተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንኽኣትዉ ተሓባቢርኩም ብዝብል ክሲ’ውን 42 ሰባት ኣሲራ ኣላ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣቲኹም ብዝብልን ኣሲራቶም ካብ ዝጸንሐት ኣስታት 70 ሽሕ ኢትዮጵያውያን፣ ነቶም 40 ሽሕ ኣቐዲማ ናብ ዓዶም ክትጥርዝ እንከላ፣ ነቶም ዝተረፉ ኣስታት 30 ሽሕ ድማ ተርኦም ክሳብ ዝበጽሕ ብሕማቕ ኩነታት ቀይዳቶም ከምዘላ’ያ ትውቀስ።

እንተኾነ፣ ብገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ ካብ ጂቡቲ ተበጊሶም፣ ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ዝውሕዙ ብዝሒ ኢትዮጵያውያን ሕጂ’ውን ከምዘይጎደለ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት የተሓሳስብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0