ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ሶማል ዝተሸመታ 27 ሽሕ ጤለ-በጊዕ መሊሳ

ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ሶማል ዝተሸመታ 27 ሽሕ ጤለ-በጊዕ መሊሳ

Radio Erena: 21 August 2018

somali sheepsስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ሶማል ዝሸመተተን 27 ሽሕ ጤለ-በጊዕ ከምዝመለሰት ተሓቢሩ።

እታ ሃገር ነዘን መርከብ ምሉእ ጤለ በጊዕ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ዝመለሰትሉ ምኽንያት፣ ሪፍት ቫለ ዝተባህለ ረስኒ ኣለወን ብዝብል’ዩ።

እዘን ካብ ስዑዲ ተመሊሰን ብወደብ ቦሳሶ ናይ ሶማል ዝኣተዋ ጤለ-በጊዕ፣ ኣብ ዕዳጋታት እታ ሃገርን መነባብሮ ሓረስቶትን ኣሉታዊ ጽልዋ ከይፈጥራ ተሰጊኡ ኣሎ።

ስዑዲ ዓረብ ብዘይካ’ዚ ካብ ሱዳን’ውን ክትሽምተን ዝጸንሐት ኣባጊዕ፣ ኣጣልን ኣግማልን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ደው ከምዘበለቶ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ሓበሬታ ነጺግዎ ኣሎ።

ክፍሊ ሃብቲ እንስሳታት ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ “ስዑዲ ዓረብ ዝመለሰተን ኣባጊዕ ኮነ ኣግማል የለዋን” ክብል ኣረጋጊጹ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ 2004 ካብ ኣውስትራልያ ዝሸመተተን ልዕሊ 3 ሽሕ ኣባጊዕ፣ ሕማም ኣለወን ብምባል ክምለሳ ድሕሪ ምውሳና፣ መንግስቲ ኤርትራ ብረዲኤት ከምዝተቐበለን ኣይርሳዕን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0