ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ኵናት ንክልተ ሰሙን በይናዊ ምቁራጽ ተዅሲ ኣዊጃ

Radio Erena: 10 April 2020

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን፣ ኣብ የመን ከካይዶ ዝጸንሐ ኵናት፣ ንክልተ ሰሙን በይናዊ ምቁጻር ተዅሲ ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ።

እቲ ወትሃደራዊ ኪዳን፣ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣንጻሩ ሑቲ ንዘካይዶ ዘሎ ኵናት፣ ካብ ትማሊ ሓሙስ 8 ሚያዝያ ኣትሒዙ ንክልተ ቅነ ደው ክብል ዝወሰነሉ ምኽንያት ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ግጭታት ደው ክብሉ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ንዘቕረቦ ጻውዒት ንምኽባር ምዃኑ ንኣፈኛ ናይቲ ኪዳን ኮለነል ቱርኪ ኣል ማሊኪ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ስዑዱ ሓቢሩ።

ሑቲ፣ ብዛዕባ’ዚ ብስዑዲ ዓረብ ዝተኣወጀ በይናዊ ምቁጻር ቶኽሲ ዛጊት ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ኮረና ቫይረስ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2019 ኣብ ቻይና ካብ ዝተራእየሉ፣ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሰባት ክልብድ እንከሎ ህይወት ኣስታት 90 ሽሕ ሰባት’ውን ቀዙፉ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0