ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ዶብ ግጭት ንምሽምጋል ሓሳብ ምቕራባ ተገሊጹ

Radio Erena: 01 February 2021

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ዶብ ግጭት ንምሽምጋል ሓሳብ ምቕራባ ተሓቢሩ።

ዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ ብዘቕርብኦ ዘለዋ ዜና መሰረት፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ መሓመድ ዓሊ ፋኪ ሱሌማን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሱዳን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ስዑዳዊ መዘንኡ ፈይሰል ቢን ፋርሓን፣ ኣብ ሪያድ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ልኡኽ ሱዳን ናብ ሪያድ ዘምርሐ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሪያድ ምስ ሚኒስተር ቢን ፋርሓን ምርኻቡ’ዩ።

ኤርትራን ደቡብ ሱዳን’ውን ኣቐዲመን፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ንዘሎ ዶባዊ ግጭት ንምሽምጋል እማመታት ከምዘቕረባን ብወገኑ ሱዳን ተቐባልነት ከምዘይረኸበን’ዩ ተሓቢሩ።

ሱዳን፣ ነዚ ብስዑዲ ዓረብ ዝቐረበ ሓሳብ’ውን ከምዘይተቐበለቶ ዝኣመቱ ዲፕሎማሰኛታት፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ዝርዝራዊ መረዳእታ ምሃባ ጠቒሶም።

ሱዳን፣ ድሕሪ’ቲ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተደገፉ ሚሊሻታት ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፣ ን26 ዓመታት ብኢትዮጵያ ተወሪሩ ዝጸንሐ ዝበለቶ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬታ ብጸረ መጥቃዕቲ ከምዘምለሰቶ ክትገልጽ እንከላ፣ ኢትዮጵያ ድማ ብኣንጻሩ ሱዳን ዶብ ጥሒሳ ተጻብኦታት ከምዝፈጠረት’ያ ወቒሳ።

ሰራዊተን ናብቲ ዘሰሓሕባን ዘሎ ከባቢታት ኣኽቲተን ዝርከባ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ጸጸኒሐን ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ የካይዳ ምህላዋን ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0