ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ልዕሊ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ሰራሕተኛታት ኣዊጃቶ ዘላ ሕግታት ንኤርትራዉያን ኣብ ወጥሪ የእቱ

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ልዕሊ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ሰራሕተኛታት ኣዊጃቶ ዘላ ሕግታት ንኤርትራዉያን ኣብ ወጥሪ የእቱ

Radio Erena: 02 August 2017

Saudi deportation Center

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ልዕሊ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ሰራሕተኛታት እተጽንዖ ዘላ ሕግታት ንኤርትራዉያን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣቅዲቕዎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እታ ሃገር ብዘይካ’ቲ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ- ኢቓማ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ክወጹ ሰሪዓቶ ዘላ መደብ፣ እቶም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም’ውን ካብዚ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣትሒዙ ነፍሲ ወከፍ ወጻእተኛ ኣብ ወርሒ ሓ ሚእቶ ሪያል ስዑዲ ክኸፍል ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ ኣላ።

ኤምባሲታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታተን ንምውጽእ ምስታ ሃገር ብምርድዳእ ዝተፈላለየ ጻዕርታት ክገብራ እንከለዋ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ግና ንዜጋታቱ ዝግባእ ቆላሕታ ይግብር ከምዘየሎ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ካብ ሪያድ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ንሶም ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ኣብ ትሕቲ ኤምባሲ ዝተሓቖፈ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሓሙስ 27 ሓምለ ኣብ ጀዳ ኣኼባ ብምክያድ ብዛዕባ’ቲ ኣሻቒሉ ዘሎ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘትዩ።

ይኹን’ምበር እቲ ኣኼባ ዝኾነ መፍትሒታት ከየቕረበ’ዩ ተዛዚሙ።

ብዞባታት ጀዳ፣ ሪያድን ደማምን ዝተመቓቐሉ ኤርትራውያን ነበርቲ ስዒዲ ዓረብ ብዝሖም ኣስታት 90 ሽሕ ክኽደውን እንከሎ፣ እቶም ኣስታት 10 ሽሕ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም’ዮም።

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ወጻኢ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ብፍቓዶም ክወጹ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዘሕለፈቶ ትእዛዝ ምሉእ ብምሉእ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ እታ ሃገር ንተወሳኺ ሓደ ወርሒ ዕድል ሂባቶም ኣላ።

ወርሒ ነሓሰ ድሕሪ ምዝዛሙ ግና ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ወጻኢ ከካብ ዝተረኽብሉ ቦታ ገፊፋ፣ ብግዴታ ክትሰጎም ምዃና ኣጠንቒቓ ኣላ።

እዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ኣዋጅ ካብ ዝወጽእ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ብፍቓድኦኦኦም ክምለሱ እንከለዉ፣ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ጸገማቶም ምርካብ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ምንባሩ’ዮም ዘማርሩ።

ሓያሎ ካብዞም ክወጹ ዝግደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን’ውን ናብ ኤርትራ ምምላስ ንህወይቶም ሓደጋ ከምዘለዎ ብምጥቃስ ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ንኽወሃቦም ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ቀይሕ መስቀልን ይምሕጸኑ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣማኢት ካልኦት ድማ ናብ ሱዳን፣ ፓኪስታን ወይ ቱርኪ ዝሰግርሉ ኣማራጺታት የናድዩ ምህላዎም ካብታ ሃገር ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

 

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

 

===========================

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0