ስዑዲ ዓረብ፣ ንናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ዝሕተት ክፍሊት ንሰለስተ ኣዋርሕ ደው ኢሉ

Radio Erena: 09 April 2020

ስዑዲ ዓረብ፣ ከም ኣካል ናይቲ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ትወስዶ ዘላ ስጉምታት፣ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ዝሕተትዎ ክፍሊት፣ ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2020 ደው ክብል ከምዝወሰነት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ ይኹን ካልእ ምስ ቪዛ ዝተሓሓዝ ንጥፈታት ንኣስታት 3 ኣዋርሕ ደው ከምዘበለ ዘፍለጠ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ግዜኡ ዘእከለ መንበሪ ፍቓድ ወይ ኢቓማ ድማ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከምዝተናውሐ ኣፍሊጡ።

ቪዛ ወይ ኢቓማ ንምሕዳስ ናብ ክፍሊ ፓስፖርት ወይ ጃዋዛት ምኽያድ ከምዘየድሊ ብምምልካት ድማ፣ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ክሳለጥ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ገዛ፣ ጉልበትን ካልእ ሞያን ዝተዋፈሩ ኣስታት 9 ሚልዮን ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ኣለዉ።

ኣብታ ሃገር፣ መብዛሕትአን ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ዝተዋፈራ ድቂንስትዮ ዝርከብኦም ኣስታት 50 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ጸብጻባት ኤምባሲ ኤርትራ ይሕብር።

እዞም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ኤርትራ ንምግታእ ብዝብል፣ ብኤምባሲ ኤርትራ ክኸፍልዎ ዝተሓተቱ ብዝሒ ገንዘብ ከምዘማረሩ ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Mesfin 4 years ago

    ሰላም
    ሓሳብካ ምግላጽ ጹቡቅ እዩ።
    እቲ ሓሳብ ግን ቁኑዕ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ተቀባልነት ዘለዎ፡ ነጻ ራድዮ እንተ ንብል ኣለና ከኣ ፡ ብዘይ ጸግዒ ሓቂ ምዝርጋሕ ማለት እዩ።
    ኣብዛ ዛዕባኹም እቲ ሓበረታን ስእልን ኣይራኽርብን እዩ እስተብሂልካ ምዝርጋሕ ንኹሉ ጹቡቅ እዩ፡ ንሶም ሲ ኢትዮጲያውይን እዮም እቲ ዘረባ ከኣ ብዛዕባ ኤርትራውያን shame on you. plus ዚተሰልዕ ስሊዒት ን ወፈያ የለን። ወፈያ ኣድሊካ ትሕግዝ ኣየድለካን ዝእውደካ የለን ።