ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ሃገራዊ ባንክ የመን 2 ቢልዮን ዶላር ከተሰጋግር’ያ

ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ሃገራዊ ባንክ የመን 2 ቢልዮን ዶላር ከተሰጋግር’ያ

Radio Erena: 18 January 2018

king salmaስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገራዊ ባንክ የመን 2 ቢልዮን ዶላር ከተጋገር ምዃና ኣፍሊጣ።

ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ስዑድ ብሮቡዕ 17 ጥሪ ኣብ ዘመሓላለፎ ትእዝዛ፣ እቲ ንሕውየት ቁጠባ የመን ክሕግዝ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብዝቀልጠፈ ክሰጋገር ምውሳኑ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ስዑዲ ዓረብ ነዚ ናይ ወጻኢ ባጤራ ናብ ሃገራዊ ባንክ ንምስግጋር ዝወሰነት፣ ባጤራ የመን ካብ ምሉእ ውድቀት ንምድሓኑ መራሕቲ የመን ብዘቕረቡላ ምሕጽንታ’ያ።

ኣብ ሪያድ ኣብ ስደት ዝርከቡ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን የመን ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘቕርብዎ ምሕጽንታ፣ ሃገራዊ ባንክ የመን፣ ኣብ ካዝንኡ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክህልዎ እንተዘይክእሉ፣ ባጤራ የመን ካብ ዕዳጋ ዓለም ክእለ ከምዝኽእል ብምትሕስሳብ’ዮም።

ብስዑዲ ዓረብ ሕቡራት ኢማራትን ዝተመርሐ ልፍንታዊ ሓይሊ ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ኵናት ካብ ዝእውጅ፣ እታ ሃገር ኣብ ታሪኻ ርእይቶ ዘይትፈልጥ ሰብኣውን ቁጠባን ቅልውላው ኣጋጣሚዋ ይርከብ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0