ስዑዲን ሕቡራት ኢማራትን ዝርከብአን ሽዱሽተ ሃገራት ዓረብ ምስ ቀጠር ዝነበረን ዝምድና ኣደስኪለን

ስዑዲን ሕቡራት ኢማራትን ዝርከብአን ሽዱሽተ ሃገራት ዓረብ ምስ ቀጠር ዝነበረን ዝምድና ኣደስኪለን

Radio Erena: 05 June 2017

Qatar Saudi

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ግብጺ፣ ባሕሬን፣ የመንን ሊብያን ምስ ቀጠር ዝነበረን ዝምድና ከምዘደስከላ ይግለጽ ኣሎ።

እዘን ሃገራት ምስ ቀጠር ዝነበረን ዝምድና ዘደስክላ ዘለዋ፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣሚር ቀጠር ዝሃቦ መግለጺ’ዩ ተባሂሉ ዝተቓለሐ ሓበሬታ’ዩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ፣ ኢራን ዞባዊ ሓይሊ ከምዘለዋ ብምግላጽ እታ ሃገር ኣብ ምርግጋእ ጸጥታ እቲ ዞባ ኣገዳሲት ምዃና ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ምስ እስራኤል ጽቡቕ ዝምድና ከምዘለዎም ብምምልካት፣ ስዑዲ ዓረብ ካብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣምባሳደራቱ ክስሕብ ምዃኑ’ዩ ጠቒሱ።

እንተኾነ ቀጠር መርበባት ሓበሬታኣ ከምዝተጠልፈ ብምሕባር፣ እቲ ኣሚር ሂብዎ ዝተባህለ መግለጺ ዝተሰነዐ ናይ ሓሶት ዜና ምዃኑ’ያ ክሒዳ።

ንማዕከናት ዜና ቀጠር ብኡ ንብኡ ዝዓፈነት ስዑዲ ዓረብ ምስ ሕቡራት ኢማራትን ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባን ምምይያጥ ከተካይድ ድሕሪ ምጽናሕ’ያ ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና ከምዘደስከለት ተፍልጥ ዘላ።

ንጉስ ስዑዲ ዓረብን ወራስ ዓራት ኣቡዳብን ምክልት ኣዛዚ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብ2 ሰነ ኣብ ሪያድ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ’ውን ብዛዕባ’ዚ ናይ ቀጠር ጉዳይን ኣብ ሃገራት ዓረብ ፈጢርዎ ዘሎ ምክፍፋልን ከምዝዘተዩ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ’ዩ።

ንመንግስቲ የመን ብምድጋፍ ኣንጻር ሑቲ ንዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ዝመርሓ ዘለዋ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣብ ጎነን ተሰሊፉ ዝነበረ ሰራዊት ቀጠር ካብ የመን ክስሕብ ከምዝኣዘዛ’ውን ወትሃደራውያን ምንጭታት ኣምልኪቶም።

ቀጠር ንውድባት ሕውነት ኣስላማ ሓማስን ትድግፍ ኣላ እናበለት ክትወቕስ ዝጸንሐት ግብጺ’ውን ኣሰር ስዑዲ ዓረብ ሕቡራትን ብምኽታል ምስ ቀጠር ዝጸንሓ ዝምድና ንግዜኡ ደው ከተብሎ ወሲና ኣላ።

ንዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ሊብያ ትድግፍ ኣላ ክብል ዝጸንሐ ብኣህጉራዊ ምሕበረሰብ ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ መንግስቲ ሊብያ’ውን ኣሰር እዘን ሃገራት ብምስዓብ፣ ዝምድንኡ ምስ ቀጠር ኣደስኪሉ።

ቀጠር ብዛዕባ’ዚ ሃገራት ዓረብ ወሲደንኦ ዘለዋ መርገጺ ብዝምልከት ዛጊት ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበትሉን።

ይኹን’ምበር መንገዲ ኣየር ቀጠር ኩሉ’ቲ ናብ ስዑዲ ዓረብ እተካይዶ ዝነበረት በረራታት ንዘይተወሰነ እዋን ደው ኣቢላ ኣላ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0