ስዊዘርላንድ፣ ልዕሊ 3 ሽሕ ኤርትራውያን ክትሰጉግ ከምእትኽእል ትገልጽ

ስዊዘርላንድ፣ ልዕሊ 3 ሽሕ ኤርትራውያን ክትሰጉግ ከምእትኽእል ትገልጽ

Radio Erena: 06 April 2018

swiss

መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ዘቕረብዎ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተነጽጉ ኣስታት 3200 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክሰጎም ከምዝኽእል SRF ዝተባህለት ሬድዮ እታ ሃገር ሓቢራ።

እታ ሬድዮ ብሮብዕ 4 ሚያዝያ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝጸንሖ ፖሊሲ ብምቕያር፣ ነቶም ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ንዝተነጽጉ፣ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓዶም ክስርዞ ጀሚሩ ምህላዉ ኣፍሊጣ።

ተመሳሳሊ ጉዳይ ናይ ዘለዎም 3200 ኤርትራውያን የጻሪ ከምዘሎ ዝሓበሩ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ናይነፍሲ ወከፍ ጉዳዩ ብንጽል ከምዝርአ ጠቒሱ።

ኣብ መንጎ ስዊዘላንድን ኤርትራን ጉዳዮም ናይ ዝተነጽጉ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ምምላስ ስምምዕ እኳ እንተዘየለ፣ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ስዊስ፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘተኮረ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምስ ኤርትራ ክሕይልን ፣ ኣብ ኣስመራ ኤምባሲ ክኽፈትንዮም ዝጽውዑ።

ወከልቲ ኣባላት ባይቶን ልኡኻት መንግስትን ስዊስ ናብ ኤርትራ ተደጋጋሚ እዋን ምብጻሕ ብምክያድ፣ ኣውራ ጠንቂ ስደት ብዛዕባ ኮይኑ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝዘራረቡ ይፍለጥ።

ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ክጥረዙ ከምዝኽእሉ ምውሳኑ ኣይርሳዕን።

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 18 ሽሕ ከምዝነበረ ጸብጻብ ክፍሊ ኢምግሬሽን የመልክት።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት’ዚ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ናይ ዘቕረቡ ብዝሒ ኤርትራውያን 13 700 ምዃኑ ይጠቅስ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብታ ሃገር ካብ ዓመት ናብ ዓመት ክጎድል ይርአ እኳ እንተሎ፣ ቀዳማይ ቦታ ካብ ምሓዝ ግና ኣይተናገፈን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0