ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ተጣሒሱ

ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ተጣሒሱ

Radio Erena: 01 July 2018

south sudan peace dealስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ሒደት ሰዓታት ድሕሪ ምፍራሙ ተጣሒሱ።

እቲ ብረቡዕ 27 ሰነ ብኣላይነት ኣልበሽር ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ብወገን ተቓወምቲ ሓይልታት ከኣ ሪክ ማቻር ከምዝፈረሙሉ ኣይርሳዕን።

እቲ ስምምዕ ሰላም ብፍላይ ከኣ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ካብ ዝተፈረመሉ 72 ሰዓታት ኣትሒዙ ግብራዊ ክኸውን’ዩ ኔሩ እቲ ውዕል። እንተኾነ ትማሊ ቀዳም 30 ሰነ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ኲናት ከምዝተጀመረ፣ ማዕከናት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢረን።

ወሃብ ቃል ተቓወምቲ ሓይልታት ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ መጥቃዕቲ ሰራዊት መንግስቲ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ከምዝተጀመረ ከሲሱ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ ዝፈረመሉ ጽባሕ ውግእ ምጅማሩ፣ እቲ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘየለ ዘምልክት’ዩ ክብል ገሊጹ።

ወሃብ ቃል መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብወገኑ፣ እቲ ተኹሲ ብወገን ተቓወምቲ ሓይልታት ከምዝጀመረ ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም እውን ሒደት ሰዓታት ድሕሪ ምፍርራሞም ከምዝጀመረ ዝዝከር ኮይኑ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ወገናት ናይ ማዕቀብ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደድ ምውሳኑ ይዝከር።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0