ስልጣን የሱስ ይደሃየና ‘ሎ?

Radio Erena: 03 February 2017

Pastors 1

      ሩራዊ እዮቤልዩ ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ዝተጸንበለሉ ኣጋጣሚ’ዩ። 1ጥሪ 2006። ናብ ዓሶ እትቀራረብ ሰዓል ገርጊራ ነበረት። ‘እዮቤልዪ’ እናበለ ህዝቢ ክዋዘየላ እዝክር።

     “ጠንቂ’ታ ሰዓል ድምጺ ሓፋሽ’ያ፣” ንምባል’ዩ ዝኸውን። ህዝብና ኣብ ጽልኡ ኣየውዕልካ። ብዋዛን ወረ ድሕሪ ገዛን መንግስቲ’ዩ ዘዕንዩ።

     ስዑዲ ዓረብ ካብ ኣውስትራልያ ዝሸመተተን ኣሽሓት ኣባጊዕ፣ “ስጋ ሓሰማ ዝቛረፋ’የን” ኢላ ተሓሰመትን። ነተን ኣባጊዕ ዝጸረት ግዝፍቲ መርከብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሰንፈላል ኮነት። ኤርትራ፣ ከም መጉሓፊ ተሓርየት። ኤርትራ መኽሰብ ቆርበት ቀዳምነት ሃበቶ። ስጋ’ውን ‘ከም ሻሙ’ ንዝጠመየ የዐንግል ተባህለ። መንግስትና፣ ኣይኮነን ዶ ስጋ ሓሰማ ዝቛረፋ፣ ስጋ ሰብ ዝምዥርቓ እንተዝነብራ’ውን እንታይ ግዳዱ። ሓንቲ ረብሓ ደኣ ትሃልዋ’ምበር። እንዳ ‘ኤንኮደ’ ጽዑቕ ስራሕ ረኸበ፣ ስጋ በጊዕ፣ ኣውራ’ኳ መዓናጡ ኣብ ዕዳጋ ዛሕዛሕ በለ። ደሓን ኣይትእቶ ሰዓል ኢዮቤልዩ ግን ካብዚ እዋን’ዚ ደበኽ በለት። ጠንቒ ሰዓል ድምጺ ሓፋሽ’ያ ዝብለ ወረ ናብተን ስዑዲ ዝተሓሰመተን ኣባጊዕ ዛዘወ።

     ድምጺ ሓፋሽ፣ ኣብ ጽምብል ኢዮቤልዩኣ፣ ንኣባላታን ዕዱማታን ካብዘን ኣባጊዕ ጋበዘት። ኣብ ቀጽሪ እንዳ ዜና ስጋ ከም ምጥባስካ ኮነ። ብፋታ ቃህሚተን ዝቐነያ ነብሳት ኣዛብእን ቶኻሉን መሰላ። በብኩርንዑ፣ መሰጣሕ ዝመልእ ስጋን ዊስኪን ተጋደመ።

     ድምጺ ሓፋሽ ካብ እትምስረት፣ ኣባላታ ንዝነበሩ ፍሉይ ክብሪ ሃበት። ንኣባላት ዜና ኣብ ኣዳራሽ ‘ሃገር’ ኣኪባ፣ ንገዳይም ስማቶም እናጠቐሰት ሞገሰት። ምስክር ወረቀት’ውን ዓደለት።

     ኣብ መንጎ’ዚ ከምዚ ዝበለ ምምጉጓስ፣ ‘ርእይቶ ኣሎ’ ዝዓይነቱ ጣቕዒት ተሰምዐ። ሓደ ጽሙእ ተጋዳላይ ካብ ማእከል ተንስአ። ቃል ቅድሚ ምውጽኡ ኣዳራሽ ሃገር ብሕሹኽሹኽ ተጎብአት።

                                   ++++++++++++++

     ካብ ብስሙ ንላዕሊ ብሃለቃ’ዩ ዝፍለጥ። ገዲም ተጋዳላይን ኣባል ዜናን’ዩ። ምስ ሰባት ምዕላል ዘዘውትር ኣይኮነን። ኣባል ክፍሊ ጋዜጣ ምዃኑ ደኣ’ምበር ዝበዝሐ ሰብ እንታይ ይሰርሕ’ውን ኣይፈልጥን።

     “ንምንታይ ደኣ ንዓይ ረሲዕኩሚኒ፣” ሓተተ ሃለቃ ካብ ዝነበራ መንበር ብድድ ኢሉ።

     ኣብ መድረኽ ዝነበሩ ሓለፍቲ ዜና፣ ድምጺ ሓፋሽ ካብ እትምስረት ኣባላ ንዝነበረ ሃለቃ ምርስዖም ጌጋ ምንባሩ ተናስሑ። መደዓዓሲ ቃላት’ውን ነስነስሉ።

     “ንስኻትኩም እንተረሳዕኩምኒ፣ ኣብ ሰማይ ዘይርስዕ ኣቦ ኣሎኒ። ኣምላኽ ንስመይ ኣብቲ ክቡር መዝገብ ኣስፊርዎ’ዩ። ኣምላኸይ ኣይርስዓንን’ዩ’።” እዝነይ ድዩ ወይስ ቃል ሃለቃ’ዩ ድንግርግር በለኒ።

     ሃለቃ ሕንቕንቕ እናበለ ዘውጽአን ቃለት፣ ነዕኑድ ኣዳራሽ ሃገር ነቕነቓ። ጸጥታ ሰፈነ!

     ንሓያሎ ሓደስቲ ኣባላት ዜና፣ ሃለቃ ሓድሽ ነበረ።

     “ኣብ ዘመነ ውርውራ፣ ግድምንኡ ማዕረ’ቲ ናይ ሰማይ ክብሪ ዘይሰርዐ ፍሉይ ተጋዳላይ’ዩ ሃለቃ፣” ተዘርበሉ።

     “ሃለቃ ኣብ እንዳዜና ካብ ዘለዉ ጽኑዓት ኣመንቲ ክርስትና’ዩ፣” ተሰብከ።

     “ሃገሩ ሰመያት’ዩ፣” ዕላላት ቀጸለ።

                                     +++++++++++++++++

Keren

     ድሕሪ 10 ዓመታት ምዃኑ’ዩ። ምስ ሓደ ካብ ገዳይም ኣባላት ዜና ነበር ኣብ ስደት ተራኸብና’ሞ፣ ስርግፍኦ ተዘክሮታትን ሕሜትን ተለዋወጥና። ከም ወዮ እናሻዕ ዝደጋግመልኩም፣ ኣባላት ዜና ነበር እናክንራኸብ፣ ተዘክሮታትን ሕሜትን መሊኡና’ዩ። ኣውራ’ኳ ሕሜት። ዝሕመዩ ግና ሒደቶም’ዮ። እቶም ዝዝከሩ’ዮም ዝበዝሑ።

     “እንዳ ዓሊ ዓብዱ ክዕይዱ ክኸዱ ይዝከረካ ዶ በለኒ፣” ስም ክልተ ብቐረባ ናይ እንፈልጦም ሰባት ጠቒሱ።

     “እንታይ ክዕይዱ’ንታ፣” ዝላገጽ ዘሎ’ዩ ስለዝመሰለኒ’የ።

     “ዒድ ደኣ… ዒድ፣ ኣኽርያ እንዲኻ ዓቢኻ ፣ ምዕያድ ኣይትፈልጥን?” ይላገጽ ከምዘሎ ዓቲቡ።

     “ክዕይዱ ከይዶሞ፣ ንሱ ግና ከምዚታት ከምዘይፈቱ ካብ ገጺ ኣንቢቦም ተመሊሶም፣” መልኣለይ።

     “እሞ መዐየዲን፣ ወላ ብሽኮትን ካረሜለን ከይሃበ ኣፋንይዎም፣” ግደይ ክላገጽ ደለኹ።

     እንዳ ዜና፣ ብሃይማኖታዊ ወገንነት ብኣብነት ክጠቕሱዋ ዝደልዩ ብዙሓት ነበሩ። ኣብ እዋን ዒድ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝህሉ ሓለፋታት ኣብ ካልእ በዓላት ኣይርከብን ከም ኣብነት የቕርቡ።

     ሕሜታ ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋናት፣ ክልተ ኣባላት ዜና ናብ ሚኒስተር ዓሊ ዓብዱ ክዕይዱ ምኻዶም፣ ጽብቕ ኣርኣያ ኣይነበረን። ዋላ`ኳ እቲ ሓደ ኣማኒ ክርስትና እንተነበረ።

     “በዓልቲ ቤቱ ንዓሊ ክርስትያን’ያ። ዒድ ኣየብዕልን’ዩ፣” ፈተውቱ ተጣበቑ።

     ብሃይማኖት፣ ኣውራጅን ወገንነት እናወንጀልካ ተጠመቲ ሰባት ምሕቓቕ ናይ ጥንቲ ዕዮ መራሒና’ዩ። ዓሊ’ውን ኣብ ደምበ’ዚ መራሒና ስለዓኾኸ፣ እዛ ክሲ ከይትጠብቖ ዝዓበየት ስግኣቱ ምንባራ ይሕመ። ክሳብ’ታ ብሰንካ ናብ ስደትን ውርደትን ዘምርሓላ ዕለት።

     “ሱልጣን ከ የሱስ ትዝክሮ ዶ?” መሓመድ ዓሊ’ዩ። መሓመድ ዓሊ ገዲም ጋዜጠኛ ናይታ ብቋንቋ ዓረብ እትሕተም ጋዜጣ ኣል ሓዲሳ’ዩ።

     ነባራት ኣባላት ክፍሊ ጋዜጣ ሓደ ብሓደ’ዩ ዝዝክሮም።

   “ስልጣን የሱስ ደኣ ከመይ ጌረ ክርስዖ ወደይ?” ምስሉ ኣብ ኣአምሮይ ደጋጊመ እናምጻእኩ።

    “ይገርመካ’ዩ ክሳብ ሕጂ ደሃይ የብሉ፣” መልአ ሓመድ ዓሊ። ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጽእ ብዙሕ ስለዘይገበረ፣ ዝሓሸ ሓበሬታ’ዩ ዘለዎ።

    “ኣበይ’ዩ ተኣሲሩ ዘሎ? ምዕጢር?” ንምርግጋጽ ሓተትክዎ።

     “እዋእ… ምዕጢር’ዩ ዘሎ፣” ርጉጽ ከምዘይኮነ ኣረጋገጸለይ።

                              ++++++++++++++++

    ቬንቲ ሰዩ (26) ንዝዓይነታ ብሽክለታ፣ ኣብ ድሕሪኣ ፍርቂ ሜትሮ ብፍርቂ ሜትሮ ዝኣክል ገዚፍ መጽዓኒ ብላሜራ ኣልጊቡላ’ዩ። ነዊሕ ገመድ ነቲ መጽዓኒ ተጠምጢሙ ይርአ። ነዛ ብሽክለታ ተወጢሕካ ካብ እግሪ ፎሮቶ ናብ እንዳ ዜና ምሕኳሩ ኣይሕሰብን። ሱልጣን ዮሱስ’ውን ነዛ ብሽከላት እናደፍአ’ዩ ፎርቶ ዝሓኩር። እንቋዓ’ያ ተርህጾ። ዘይርህጽ ኣይብላዕ፣ መምርሒ ህይወት’ዩ።

     ጋዜጣኛ ናይታ ብቋንቋ እንግሊዝ እትሕተም ጋዜጣ ፕሮፋይል ምስ ምዃኑ፣ ዝሕሸ ናይ ግዜ ጽበት ኔውርዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ጋዜጣ ፕሮፋይል፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ሸሞንተ ገጻት ጥራይ ምዃና፣ ኣብ ሰሙን’ውን ክልተ መዓልታት ጥራይ’ያ ትሕተም ዝነበረት።

     ስልጣን የሱስ ጽገሃንስ፣ ዝባኽን ተረፍ ግዜ ኣይነበሮን። ዕማም ጋዜጣ ፕሮፋይል ዛዚሙ፣ ሓደው ኣብ ዝባን ቬንቲ ሰዩ ብሽክለታ ሓደ ኣብ ዝባን ቅዱስ መጽሓፍ’ዩ ዝውጣሕ።

     በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ምስ ምዃኑ፣ ነታ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ እትነብር ስድራ ንምእላይ፣ ደሞዝ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣኻሊ ክኸውን ኣይክእልን።

     “ደሞዝ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ሓንቲ ፑማ ዝዓይነታ ካልሲ ከተግዝእ’ውንኣይትኽእልን፣” ይዋዘየ ነበረ ኣሎኒኣብ። ጋዜጠኛ ኣሎኒኣብ፣ ማርክ ኣብ ዘለዎ ዓይነታት ልብስን ኣሳእንን ይግደስ ነበረ።

     ስልጣን የሱስ፣ ዝበለጸ ስልማቱ ክዳውንቱ ኣይነበረን። ክዳውንቲ ንፈውሲ ዕርቃን’ዩ ዝለብሶም ኔሩ ዝኸውን። ዝዓበየ ክብሩ፣ እምነቱ ነበረ ንሱልጣን የሱስ።

     ነታ ብደሞዝ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክናብያ ዘይክኣለ ስድራ፣ ዱኳን ተኻርዩ፣ ለይትን ቀትሪን ስቤዛ ክመልኣ ኣብ ጻዕሪ’ዩ ተጸሚዱ። ቬንት ሰዩ ብሽክለትኡን ኣብ ድሕሪኣ ዝርአ ጥምጣማት ኣግማድን’ውን ምልክት’ዩ።

     “ስድርኡ’ባ ከመይ ይህልዉ?” ምናልባት ሓበሬታ እንተለዎ’የ ተወኪሰዮ ንመሓመድ ዓሊ።

     “ወላሂ እንድዒ፣ ካብ ዓዲ ኣቤት ግዒዞም ናብ ገጠር ከይዶም’ዮ ዝብሃል፣” ክንዮ’ዚ ዝፍልጦ ኣይነበረን።

    “ለይቲን ቀትርን ርሂጹ ዝናቢ ዓይኒ ስድራ ጠፊኡ ደኣ፣ ስድራ ከመይ ከ ክትንበር፣” ናይ ውሽጠይ ሓሳብ’ዩ።

                                     +++++++++++++++++

 Prisoners

    ኣብ ሚኒስትሪ ዜና፣ ብልምዲ ‘ጴንጠ’ እናበለ ህዝቢ ዝጽውዖም ሒደት ኣመንቲ ክርስትና ነበሩ። እቲ እዋን’ቲ፣ መጽሓፍ ቅድስ ምሓዝ ኮነ መዝሙር ምስማዕ ከቢድ ገበን ዝቑጸረሉ እዋን’ዩ። ኮምፒተራት ሚኒስትሪ ዜና ዝኾነ መዝሙር ከይጸዓና መጠንቐቕታ ተዋሂቡ ነበረ። ክሳብ መንፈሳው ህወይት ውልቀሰባት ክስለዩ ዝተመደቡ ኣባላት ዜና’ውን ነበሩ።

     “ናይ ሞት መንፈስ” ኣለዎ ተባሂሉ ዝተዘርበሉ፣ ኣቶ ገብረመስቀል ዝተባህለ ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጎገ ኤርትራዊ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ካብ ዝመላለሱ ዓማዊል ሓለፍቲ’ውን ነበረ። ረጽሚ ክልተ ሓይልታት ንምዕዛብ፣ ገብረ መስቀልን ኣመንቲ ኣባላት ዜናን ንምግጫዎም ሓያሎ እዋን ተፈቲኑ’ዩ።

     ገብረመስቀል፣ “ኣብ ቀላያት ናይ ዝጠሓሉ ሬሳ የውጽእ፣ ኣብ ሆስፒታላት ሬሳ ይገንዝ፣ ክሳብ ዓድታት እናወሰደ’ውን ይቐብር’ዩ፣” ዝውረየሉ። ኣብ ኣስመራን ሓያሎ ከባቢታን ኣዘራራቢ ኮነ። ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ማዕረ ሞት ተፈርሐ። ንሱ’ውን ኣይጸልኦም። ክህድደሉ ደልየ።

     ሓደ እዋን፣ ካብ ፎርቶ እናወርድኩ፣ ብመኪና ክማልኣኒ ደው ኣበለ’ሞ፣ “ኣንታ’ዚ በዚ ጸድፊ ፍርቶ ክልክመኒ’ዩ፣” ተማታእኩ።

     “ክማልኣኩም” ዝብሎም ኣባላት ዜና ዝማትእሉ ዝነበሩ ግዜ’ዩ። ፍርሒ ሕሱም።

      ብዝኾነ ክሳብ’ቲ ናይ ቆጸራ ቦታይ፣ ጥቓ ቦቾፊላ ኣብ ዘሎ ሞድካ ካፈ ተማልኣኒ።

     ኣብ ኣጋ ምውራደይ፣ እናሻዕ ደጋጊሙ ኣምባሃቐ።

     “ኦሮማይ ሕጂ ወሓጠኒ፣ ተደሃልኩ።”

     ላግጺ ምዃኑ ንበሰይ ከእምና ደለኹ።

    “ቡን ኢኻ ደሊኻ ትኸውን፣ ንዓ ኣብዚ ሰቲኻ ትኸይድ፣” በልክዎ።

     መኪናኡ ደው ኣቢሉ ብዘይቅልዓለም፣ ናብ ሞድካ ብሓባር ኣተና።

     ቆርበት ኣእዳው ተቀራሪፉ ነበረ’ሞ፣ “ኢድካ ደኣ ደሓን’ድዩ” በልክዎ። ጸዋዒ ነገር ንነብሰይ እናሓመኹ።

     “ኣብ ሰምበል ዝጠሓለ መንእሰይ ኔሩ’ሲ፣ ትማል ለይቲ’የ ኣውጺኤ’ዎ፣ ኣለርጂ ጌሩለይ ማለት’ዩ።”

     ከምዚ ዋዛ’ዩ ዝዛረበሉ። ሬሳ ንገረመስቀል ተራ ዋዛ’ዩ። ሬሳ ጽዒኑ ካብ ኣስመራ ንበይኑ ከባቢ ኣፍዓበት ዝኸደሉ ግዜ’ውን ኣሎ።

     ብዛዕባ’ዚ ኣብ ሰምበል ጥሑሉ ዝተባህለ መንእሰያን ገብረመስቀል ከመይ ጌሩ ከምዘውጽኦን፣ ምስ ዘፍርህ ፊልም ኣምሲሉ መሳርሕተይ ዓወት ኣረጋይ ኣዕሊሉኒ’ዩ። እንሆ ከኣ ሕጂ፣ ሰራሒ እታ ናይ ‘ሆሮር’ ፊልም ገብረመስቀል ብኣካል የውግዓኒ ኣሎ።

    ኣርእስቲ ከቀይሮ ደለኹ። ብዛዕብኡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንዝወጸ ሓሳብ ንዘለዎ ርእይቶ ተወከስኩ።

    “ኣነ ዝገርመኒ፣ ካብቲ ምስኦም ዘሎ እቲ ምሳኹም ዘሎ ይሕይል እናበሎም ‘ቲ መጽሓፍ፣ ክሳብ ክንድዚ ዝርዕዱ ምዃኖም’ዮ።” መልሱ ናበይ ዘንቀደ ምዃኑ ንጹር ነበረ።

   “ምስኦምን ምሳኹም” እትብል ሓረግ ጠልጠል ኣበለትኒ።

    “መንዮም ንሳቶም?”

     ኣብ እንዳሻሂ ሚኒስትሪ ዜና፣ ንምሳሕ ፋታ ኣዳሊና፣ ሓደ ካብቶም ኣመንቲ ዝጸለያ ጸሎታ ትዝ በለትኒ።

     “እዛ ዓለም’ሲ ኣኺሉዋ በቃ፣ ወትሩ ኣብ ክልተ ተጻርርቲ ነገራት ምስ ተመቕለት’ያ። ምናልባት ገሊኦም ሕጊ ተፈጥሮ’ዩ ክብልዎ ይኽእል’ዮም። ገሊኦም ከኣ፣ እንተስተረዲእዎም እንተስ ነገረ ኣጋጣሚ፣ ንስነ ሓሳብ ማካቬሊ ኣብ ግብሪ እናውዓሉ፣ ናብ ረብሕኦም ይጠውይዎ ኣለዉ። ናይ ጅሆቫ መሰኻክር፣ በልማማ ክእረዩ፣ እቲ ሒደት ዝለበመ እንተዘይኮይኑ፣ እቲ ዝበዝሐ፣ ብሓጎስ ደረት ኣፍልቡ’ዩ ሃሪሙ። ‘ጀሃድ’ዮም” ተባሂሎም ደሃዮም ዝጠፍአ ዜጋታት መን ቆጺሩ ክውድኦም። ብሌናይ ግሬነት፣ ጀሃድ ኢኻ ተባሂሉ ኣብ 1996 ምስ ኣማኢት ብጺቱ ኣብ ከረን ካብ ዝእሰር ደሃይ የብሉን። ደሃይ ዘይብሎም ኤርትራውያን’ሞ ዘክሩ። ምናልባት፣ ኣብ ካምቦድያ፣ ስርዓት ፖልፖት ካብ ዘሕቐቖም እንተዘይበዚሖም ኣይክውሕዱን’ዮም። ደሓር ከኣ ናይ “ጴንጤ” ዶ ኣርኪቡ። እንሆ ‘ኳ ሱልጣን የሱስ ‘ጴንጠ ኢኻ’ ተባሂሉ ካብ ዝእሰር 10 ዓመቱ ቀሪቡ ኣሎ። ሓደ ነቲ ሓደ ናይ ምክልካልን ምጥባቕን ልምዲ እንተዝነብር፣ ኣብ መወዳእታ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን’ውን ግዳይ ኣይምኾነትን። እቲ መንግስቲ’ውን ፓትርያርክ ክሳብ ዝኣኽሉ ኣብ ምእሳር ኣይምደፈረን። እቲ ሓደ ክእሰር፣ እንኳዕ ኣነይ ኣይ ኮንኩ እናበልና፣ ኣብ መወዳእታ ዝጣበቀልና ድርዒ ዘይብልና’ኮ ተሪፍና።”

     ብምስትንታን ነዊሕ ዝን በልኩ።

     ፓሪስ ዝምቕማጡ ኣሕመድ ግሬነት፣ ስድራቤታቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ናይ ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ማሕበር ንምቛም’ዩ ዝሓስብ። እዚ ዘሎ ስርዓት ምስተኣልየ፣ ደሃይ ወደይ፣ ደሃይ ጓለይ፣ ደሃይ ኣደይ፣ ደሃይ ኣቦይ ዶ ኣለኩም? ዝብሉ ኤርትራውያን ፈቐዶ ኣብያታ መእሰርቲ ክጎዩ’ዮም።

     ስርዓት ደርግ ዝወደቐሉ ዓመት ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ’የ ዝነብርኩ። ደሃዮም ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ገሊኦም ገና ሳሕል ኣለዉ፣ ገሊኦም ኣለም በቃኝ፣ ገሊኦም ሰምበል፣ ገሊኦም ዓዲ ዃላ… እናበሉ ስድራቤታት ላዕልን ታሕትን ክብሉ’ዩ ዝዝክር።

    “ይኽደነና! እዚ ሓቒ’ዩ ክድገም ጽባሕ ንግሆ። ኣየ! ህዝቢ ኤርትራ! ንቕሳነት፣ ራህዋ፣ ሰላም፣ ብልጽግናን ፍትሕን ዘይተዓድልካ ህዝቢ!”

      ህዝበይ ደንገጽክሉ። ገዛእ ነብሰይ ደንገጽኩላ።

                                 +++++++++++++++++++

Abune Antonios

     ጄኔቫ ናይ ሓደ መዓልቲ ኣገዳሲ ስራሕ ስለዝነበረኒ’የ ኣላጊሰ’ያ። ንእግረ መንገደይ። ሓደ ካብ ናይ ቀደም ኣዕሩኽተይ ክረክብ ግድን ነበረ’ሞ፣ ነበርቲ’ታ ከተማ ‘ተሓምባቢ ማይ’ ኣብ ዝብልዎ ከባቢ ‘ጀት ዶ’ ተራኸብና።

    “ኣንታ ሰሚዕካ ዶ ገብረመስቀል እንድዩ ሞይቱ፣” ቀዳመይቲ ዕላሉ ነበረት።

     ካብ ፓሪስ ናብ ጀኔቭ፣ እናሻዕ ብቴሌፎን ነውግዕ ነበረና’ሞ፣ ንሰላምታ ዘጥፋእናዮ ግዜ ኣይነበረን።

     “መን ገብረመስቀል ወደይ?”

     ኣየናይ ገብረመስቀል ክኸውን ከምዝኽእል ብቅልጣፈ መዝገብ ሓንጎለንይ እናፈተሽኩ። ካብ ኣኽርያ ኣትሒዘ ክሳብ እንዳዜና ብዙሓት ገብረመስቀላት’የ ዝፈልጥ።

     “ኣንታ ቲ ከማን ሰብ’ዩ ዝበልዕ ዶ ናይ ሞት መንፈስ ኣለዎ ዶ ዝብልዎ ዝነበሩ፣”

     “እዋይ ጌረ፣ እንታይ ደኣ ሓሚሙ ድዩ ኔ?”

     ነታ ሓደ እዋን ኣብ ሞድካ ካፈ ዘምሰናላን፣ ካልእ እዋን ከኣ፣ ኣብ ከባቢ ጎዳይፍ ንዝርከባ ናይ ጥዕና ጸገም ዝነበረን ፋይቶት ኣብ ድሮ ኣውድኣመት፣ ደርሁን ኣስቤዛን ንኸብጽሓለን ዘሰነኽዎ ዕለትን ትዝ በላኒ።

     እንዳ ዜና፣ ገብረመስቀል መጸ፣ ሞት መጸ ዝመስሎም ዝነበረ ሓያሎ መዛኖይ’ውን ሓደ ብሓደ ዘክርክዎም።

     “ኣየ እዛ ሞት! ኣቦታትና “ኣተዓድላ ዋንጫ” ድዮም ዝብልዋ።

    “ሞት ኣበይ ኣሎ ሓይልኻ” ዝበሉ ሰብ ጥበብን ነጋውስን እኳ ዘየለዉ። ንጉስ ናብኩድናጻር፣ ቤልሻጻር፣ ኦዞማንድያስን ካልኦትን እሞ ዝክር ኣብልዎም።”

     “ገብረመስቀል ከኣ ሓይል ሞት ዝወነነ’ዩ ይብሃል ከምዘይነበረ ሲ ሞይቱ።”

     ናብ ዝኽርን ትዝታን ጠሓልኩ።

    ሞት ገብረመስቀል፣ ናብ ዝኽሪ ኣብ እንዳዜና ዝነበረት ንኣሽቶ ጉጅለ ኣመንቲ ጴንጤቖስጣል ክርስትና መለሰና። ሓደ ብሓደ እናልዓልና ብዛዕብኦም ኣውጋዕና። ኣብዛ ወግዒ’ዚኣ ሱልጣን የሱስ ከይተዘከረ ክሕለፍ’ውን ኣይተኻእለን።

     “ገለ ደሃይ የብልካን?”

     “ንሱ ደኣ ኣብታ ተኣሲሩላ ዘሎ ኮይኑ ብጸሎት ደሃይና ይገብር ይህሉ’ምበር፣ ንሕናስ ረሲዕናዮ ኢና። ደሃዩ የብለይን።”
ሕልና ዝኹርኩር መልሲ’ዩ።

     ንስልጣን የሱስ ብቀረባ እትፈልጥዎ ካብ ዓሰብ መተዓቢቱ፣ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ መማህርቱ፣ እንዳዜና መሳርሕቱ፣ ናይ እምነት ብጾቱ፣ ደሃዪ እንተለኩም፣ ሓደራኹም ገለ በሉና።

ዕባይ ኣኽርያ
ፓሪስ

02 ለካቲት 2017

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0