ሳዋ፣ ኣብ ማእቶት ዝነበሩ 3 ተማሃሮ ብውሕጅ ተወሲዶም

Radio Erena: 21 September 2020

ኣብ ሳዋ፣ ኣብ ማእቶት ዝነበሩ ሰለስተ ተማሃሮ ብውሕጅ ከምዝተወስዱ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ስድራቤት ናይቶም፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ከባቢ ሩባ ሳዋ ብውሕጅ ዝተውስዱ ተማህሮ፣ “ሃገራዊ ግቡኦም እናፈጸሙ ተሰዊኦም” ዝብል ወግዓዊ መርድእ ከምዝተነግሮም እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

እቶም ብውሕጅ ዝተወስዱ ተዓላሞ፣ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም’ዮም ናይ 11 ክፍሊ መዛዘሚ ትምህርቲ ንምውዳእ ብዝብል ምስ ኣሽሓት መዛንኦም ናብ ሳዋ ወሪዶም።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0