ሱዳን ወግዓዊ መርገጺኣ ከተፍልጥ ጻውዒት ቀሪቡ

          ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እንዳዓረገ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፣ ሱዳን ወግዓዊ መርገጺኣ ከተፍልጥ ጻውዒት ቀሪቡ።
ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሱዳን ዓሊ ቢን ሓሰን ጃፋር ምስ ሱዳናዊት ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፣ ዝምድና ሱዳንን ስዑዲን በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ድሕሪ ምንኣድ፣ ሕጂ ግን መንግስቲ ሱዳን መትከሉ ዘነጽረሉ እዋን’ዩ ኢሉ።

          ዝሓለፈ ወርሒ ቐጠር ንግብረ ሽበራ ትድግፍ’ያ ብምባል ስዑዲ ዓረብ፣ ግብጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕረይንን ዝምድነአን ድሕሪ ምብታኽ፣ ቐጠር ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ከተተግብሮም ይግባእ ዝበልኦ 13 ነጥብታት ዝሓዘ ጠለባት ምቕራበን ይፍለጥ።

           ሱዳን ነዚ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተራእዩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው ከምዘይትጽምበሮ ድሕሪ ምፍላጥ፣ ኩወይት ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ኣሞጊሳ’ያ።

           ኣምባሳደር ዓሊ ቢን ሓሰን ኣብ ቃለመጠይቑ፣ ሱዳን ነቲ ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው ንምህዳእ ናይ ሽምግልና ተራ ክትጻወት ምፍታና ከምዘሐጎሶ እንተኾነ ግን ቐጠር ንዝቐረበላ ጠለባት ነጺጋ ብናታ መንገዲ እንተተጓዒዛ፣ ሱዳን’ውን መትከላ ከተነጽር ክትግደድ’ያ ኢሉ።

             ስዑዲ ዓረብ ናይ ልዕሊ 15 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ኣብ ሱዳን ክህልዋ እንከሎ፣ ቐጠር ብወገና ናይ 11 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ኣብ ሱዳን ኣለዋ። ብተወሳኺ ቐጠር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ድጋፍ ንሱዳን ክትህብ ምጽናሓ ይፍለጥ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ሓይልታት ዳርፉርን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ሰላም’ውን ብሽምግልና ቐጠር ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0