ሱዳን ኣምሳያ ናይቲ ንስዑዲ ዓረብ እትገብሮ ዘላ ወትሃደራዊ ደገፍ ቢልዮናት ዶላራት ሓገዝ ትረክብ

ሱዳን ኣምሳያ ናይቲ ንስዑዲ ዓረብ እትገብሮ ዘላ ወትሃደራዊ ደገፍ ቢልዮናት ዶላራት ሓገዝ ትረክብ

Radio Erena: 26 November 2015

su sau

ሱዳን ኣምሳያ ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ኣንጻር ሑቲ ምስታፋ 2. 2 ቢልዮን ዶላር ከምእትረክብ ማዕከና ዜና ኣል ሞኒተር ገሊጹ።

እቲ ብስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ኣብ ባንክታት ሱዳን ኣቐዲሙ ዝተኸዘነ ናይ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ጥረ ገንዘብ፣ ነታ ብሰንኪ እገዳን ምእዋጅ ናጽነት ደቡብ ሱዳንን ቁጠባኣ እናተዳከመ ክመጽእ ዝጸንሐ ሃገር፣ ብመጠኑ ከሕውያ ከምዝኽእል’ውን እቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዘቕረቦ ትንተና ጠቒሱ።

ሱዳን ኣብ ጎኒ’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ዝስለፉ900 ወትሃደራት ናብ የመን ልኢኻ ከምዘላ ይፍለጥ።

 

ስዑዲ ዓረብ’ውን ኣምሳያ ናይዚ፣ ብዘይካ’ቲ ቁጠባ ሱዳን ንምብርባር ኣቐዲማ ኣብ ባንክ ሱዳን ዝኸዘነቶ ሓደ ቢልዮን ዶላር፣ ኣብ ምህናጽ ዲጋ፣ ሕርሻን ካልእ ልምዓታዊ መደባት ዝውዕል ናይ ልዕሊ 1.7 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ንምሽፋን ቃል ኣትያ ኣላ።

ብዘይካ’ቲ ካብ ቐጠር፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት ሃገራት ዓረብ ብልፍንቲ ናብ የመን ወፊሩ ዘሎ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሰራዊት፣ ካብ ሰኔጋል፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን’ውን ክጽንበርዎ ምዃኖም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ትንታነታት ክህባ ጸኒሐን’የን።

ይኹን’ምበር ብወግዒ ናብ የመን ሰራዊታ ዝልኣኸት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሱዳን ጥራይ’ያ።

ኤርትራ’ውን ገማግም ባሕራ እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን ክጥቐመሉ ክትፈቕድ እንከላ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ 420 ወትሃደራት መንግስቲ የመንን ከምዘሰልጠነት ተገሊጹ’ዩ።

እንተኾነ ኣምሳያ ናይቲ ኤርትራ ምስ ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን እትገብሮ ዘላ ምትሕብባር፣ ካብ ሃገራት ዓረብ ዝልገሰላ ሓገዝ ኣይተሓበረን።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0