ሱዳን: ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዝርርብ ሰላም ዳግማይ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: Monday, 30 October 2023

ኣብ መንጎ ክልተ ክልተ ጀነራላት ሱዳን፣ ንልዕሊ 6 ወርሒ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰላማዊ መዕለቢ ክግበርሉ ኣብ ከተማ ጅዳ – ስዑዲ ዓረብ ዳግማይ ዝርርብ ጀሚሩ::

እቲ ናይ ሰላም ዝርርብ ብመንጎኛነት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እዩ ዝካየድ ዘሎ::

እዚ ኣብ መንጎ ወከልቲ ኣዛዚ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃንን መቐናቕንቱ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት፣ ብርጋደር ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ፣ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ግን ከኣ ዘይተዓወተ ርክባት ‘ዩ።:

ኣቀዲሙ ብተመሳሳሊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርባት፣ ኣብ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ ክብጻሕ እኳ እንተኸኣለ ብኡ ንብኡ ብኽልቲኦም ወገናት’ዩ ተጣሒሱ::

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብዚ ሓድሽ ዝርርብ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ውዕል ምቑራጽ ቶዅሲ ክበጽሑን ትጽቢት ከምዘሎን ንነባሪ ስምምዕ ሰላም ድማ ጸቕቲ ከምዝግበረን ኣገንዚቡ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0