ሱዳን ብፈደራላዊ ስርዓት ዝመሓደር መንግስቲ ከተቕውም ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 07 March 2021

ሱዳን ብፈደራላዊ ስርዓት ዝመሓደር መንግስቲ ከተቕውም ምዃና ኣፍሊጣ።
ኣቦ ወንበር መሰጋገሪ ቆንስል’ታ ሃገር ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ብ4 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ንምቛም ዘኽእል ቅዋም ተነዲፉ ከምዝተዛዘመ ኣመልኪቱ።
ቆንስል ሱዳን ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ምቛም ዝረዓመሉ ምኽንያት፣ ምስ ስምምዕ ሰላም ጁባ ብዝተኣሳሰረ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ብመሰረት’ዚ ሓድሽ ቅርጺ መንግስቲ፣ ሱዳን ኣብ ክንዲ በቲ ኣብ 18 ግዝኣታት ተኸፋፊላ ክትከዶ ዝጸንሐት፣ ናብ ሽዱሽተ ምምሕዳራዊ መንግስታት ክትከፋፈል እያ።
እቲ ቆንስል፣ ሓደ ዞባዊ መንግስቲ ዝህልዎ ስልጣንን ዕማማትን፣ ዶባት፣ ቅርጺ መንግስቲን ምምሕዳራዊ መስርሕን፣ ንምውሳን ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ኣል-ቡርሃን ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።
ኣስማት ናይተን ዞባውያን መንግስታት ብሕጂ ዝስመይ እኳ እንተኾነ፣ ካርቱም፣ ዳርፉር፣ ኮርዶፋን፣ ምብራቓዊ፣ ሰሜናዊን ማእከላይን መንግስታት ተባሂለን ኣብ ሽዱሽተ ተኸፋፊለን ይርከባ።
ብኻልእ ወገን፣ ሱዳን ንስምምዕ ሰላም ጁባ ንምትግባር ዘድልያ ፋይናንስያዊ ባጀት ከተፍልጥ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።
ባይቶ ጸጥታ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ሱዳን ጸብጻብ ድሕሪ ምስማዕ እዩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቕርብ ዘሎ።
ቁጠባ ሱዳን ንክሕይል፣ ኣህጉራውያን ለገስቲ ዝገብሮኦ ደገፍ ብውዱን ቅርጺ ንክኸይድ፣ እቲ መንግስቲ ሓድሽ ማዕከን ክኸፍት፣ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣቐዲሙ ጸዊዑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0