ሱዳን፣ 150 ኩንታል ሓሺሽ ተታሒዙ

ሱዳን፣ 150 ኩንታል ሓሺሽ ተታሒዙ

ፖሊስ ሱዳን፣ 150 ኩንታል ሓሽሽ ከምዝሓዙ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቲ ብሰሉስ 2 ሚያዝያ ኣብ ከባቢ ኡምዱርማን ዝተታሕዘ ሓሺሽ፣ ብመልክዕ ከኒናን ካልእን ዝተዳለወ ምዃኑ ጸብጻብ ፖሊስ ገሊጹ።

ኣዛዚ ስርሒታት ምቑጽጻር ሓሽሽ፣ ጀነራል ሑሴን ናፍያ፣ ንኣገልግሎት ዜና ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ 80 ሚልዮን ኣደንዛዚ ከኒናታት ኣብቲ ኣጋጣሚ ከምዝተታሕዘ’ውን ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን መሓመድ ጣህር ኤላ ናብቲ ብፖሊስ ዝተታሕዘ ሓሽሽ ብምብጻሕ ንስርሒት ፖሊስ እታ ሃገር ኣመስጊኑ።

ሱዳን፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣትሒዙ፣ ምስግጋርን መሸጣን ሓሽሽ ገኒኑ ከምዘሎ ክዝረበሉ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ብፖሊስ ሱዳን ተታሒዙ ዘሎ ሓሽሽ ካበይ ዝመጸ ወይ ድማ ናብ ዘንቀደ ምንባሩ ኣይተፈልጠን።

ሱዳን፣ ኣብ 2017’ውን ተተመሳሳሊ ብዝሒ ዘለዎ ሓሽሽ ኣብ ከባቢ ዳርፉር ከምዝተታሕዘ መጸብጻባት ፖሊስ እታ ሃገር የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0