‘ሱዳን፣ ዶብ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወራር ምፍጻማ፣ ንሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ ኣውዲቓቶ።’ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ

Radio Erena: 15 April 2021

ሱዳን፣ ዶብ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወራር ምፍጻማ፣ ንሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ ኣውዲቓቶ ኣላ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስትሪ፣ ብ14 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እዋናዊ ኣቦ መንበር ኢጋድ ተረኪባ ዘላ ሱዳን፣ ንመሬት ኢትዮጵያ ብምውራር፣ ሰለማውያን ሰባት ኣፈናቒላ ከምዘላ ወቒሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ሱዳን፣ ተወሳኺ መጥቓዕቲ ንምክያድ፣ ዘመተ ኵናት ተካይድ ምህላዋ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ድሕሪ ምእታው፣ ሱዳን ድማ መሬት ኢትዮጵያ ንምውራር ከምዝተጓየየት ዝወቐሰ እቲ መግለጺ፣ ካብቲ ወሪራቶ ዘላ መሬት ክትስሕብ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ጸቕጢ ክገብረላ ጸዊዑ።

ኢትዮጵያ፣ ብመሰረት እቲ ኣብ 1972 ዝኸተመቶ ሰነድ ምርድዳእ ዶባት ምስ ሱዳን፣ ናብ ዘተ ክትቀርብ ድልውቲ ከምዘላ’ውን ኣፍሊጣ።

ሱዳን፣ ብወገና እቲ ኢትዮጵያ ተወሪሩ እትብሎ ዘላ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬታ፣ ብሚሊሻን ሰራዊትን ዝተደገፉ ኢትዮጵያውያን ሰፋሮ፣ ኣብዚ 26 ዓመታት ዝሓዝዎ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብቲ ካብ 6 ሕዳር 2020 ኣትሒዛ ዘካየደቶ፣ ‘መሬተይ ናይ ምምላስ’ ዝበለቶ ወትሃደራዊ ወፍሪ ድማ፣ ንዝበዝሐ ክፋሉ ከምዝተቖጻጸረት ብወግዒ ኣፍሊጣ’ያ።

ባርካን ንዝተባህለ ከባቢ ንምቑጽጻር ድማ ምድዋላት ተካይድ ምህላዋ ትጠቅስ።

ኣብዚ ከባቢ፣ ሰራዊት ኤርትራ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ይወፍር ምህላዉ፣ ንወትሃደራውያን ምንጭታት ሱዳን ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣመልኪተን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0