ሱዳን፣ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ንምኽፋል 300 ሚልዮን ዶላር ካብ ትካላት ሕቡራት ኢማራት ትልቃሕ

ሱዳን፣ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ንምኽፋል 300 ሚልዮን ዶላር ካብ ትካላት ሕቡራት ኢማራት ትልቃሕ

Radio Erena: 19 March 2019

መንግስቲ ሱዳን፣ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ንምኽፋል፣ ካብ ትካላት ፋይናንስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ 300 ሚልዮን ዶላር ከምዝተለቅሐ ተገሊጹ።

ነቲ ናይ ልቃሕ ስምምዕ ዝኸተመ ምክትል ሚኒስተር ፋይናንስ ሱዳን ሙስጠፋ ሖኣሊ ምዃኑ ዝገለጻ መርበባት ዜና ሱዳን፣ እቲ መጠን ልቃሕ፣ ነታ ሃገር ካብ ዘላቶ ቅልውላው ናይ ውጻኢ ባጤራ ክገላግላ ከምዘይክእል ይጠቕሳ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ ኣብ ባኒ፣ ነዳዲን ካልእ መሰረታውያን መግብታትን ሃለኽቲ ነገራት ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ድሕሪ ምልዓሉ፣ መነባብሮ ህዝቢ ብእሉታ ተጸልዩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብወሰክ ዋጋታት ባኒን መስረታዊ መግብታትን ዝተቖጠዐ ህዝቢ ሱዳን፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚድነት በሽር ክእለ ይጠልብ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0