ሱዳን፣ ዝተበተነ ናይ ሲቪል መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምላስ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ክዕወት ዝልዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 04 November 2021

ኣብ ሱዳን፣ ንሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምብታን፣ ወትሃደራዊ ዕልዋ ዘካየደ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝመርሖ ጉጅለን ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ንምምላስ ዝዓለመ ዘተ ብ2 ሕዳር ኣካይዶም።

ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ዝበዝሖ መራሒ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ መዝነቱ ክምለስ ኣብ ዝብል ነጥቢ እኳ እንተተሰማምዐ፣ ኣብ ምቛም መሰጋገሪ ናይ ሲቪል መንግስቲ ግና ካብ ዘቀራርቦም ዘረሓሕቖም ነጥብታት ከምዝዛይድ ዲፕሎማሰኛታት ገሊጾም።

ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ሱዳን ኣትያቶ ካብ ዘላ ዓዘቕቲ ክትድሕን እንተኮይና፣ ምምላስ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣገዳሲ’ዩ ዝብል መርገጺ’ዩ ሒዙ ዘሎ።

ይኹን’ምበር ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን፣ ክልቲኦም ወገናት ሕድገታት ጌሮም፣ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቝሙ ዝልዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣረዲኦም።

ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራትን ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ኣካላትን ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝሓጸረ ናብ መደምደምታ ከብጽሖም ምዃኑ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ነበር፣ ኢማድ ዓዳዊ ገሊጹ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ዝኣሰሮም ኣባላት ናይቲ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክሳብ ዝፈትሕን፣ ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ መዝነቱ ዝመልስን፣ መንግስቲ ኣመሪካን ባንክ ዓለምን፣ ምስ ሱዳን ዝጀመርዎ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን 700 ሚልዮን ዶላር ፊናንስያዊ ሓገዝን ደው ኣቢሎም ምህላዎም ይፍለጥ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ንሱዳን ካብ ኣባልነቱ ከደስክላ እንከሎ፣ ሕብረት ኤውሮጳ’ውን፣ ብዕልዋ ንዝመጽአ ወትሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ኣፍልጦ ከምዘይህብ ኣጠንቂቑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0