ሱዳን፣ ዋጋ ባኒ ክረጋጋእ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ድሕሪ ምቕጻሉ፣ ኣብ ሸውዓተ ዞባታት ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ

Radio Erena: 17 February 2021

ኣብ ሱዳን፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዋጋታት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ክረጋጋእ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ ድሕሪ ምቕናዩ፣ ኣብ ሸውዓተ ዞባታት እታ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ከምዝተኣወጀ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ዞባታት ዳርፉር፣ ሰሜንን ምዕራብን ኮርዶፋንን ሰናርን፣ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ናብ ናዕቢ ዓሪጉ፣ ህዝቢ ናብ ዝምታ መግቢታት ካብ መኻዚኖታትን ዱኳናትን ድሕሪ ምውፋሩ፣ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ።

ብውሕዱ ኣብ 10 ከተማታት ናይተን ዞባታት፣ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዩ ክጸንሕ ተወሲኑ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ፖርት ሱዳን’ውን ተመሳሳሊ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ፣ እታ ብዝተፈላለየ ናዕብታት ክትናወጽ ዝወርሐት ከተማ፣ ሕጂ’ውን ኣብ ወጥሪ ትርከብ።

ሱዳን፣ መጠን ሸርፊ ባጤራኣ ብመንጽር ናይ ወጻኢ ባጤራታት እናንቆልቆለ ስለዝወረደ፣ ዝቕባበ ናብ ኣስታት 300 ሚእታዊት ዓሪጉ ይርከብ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ድማ ከም ዋጋታት ባኒ፣ ሽኮርን ዘይትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ዋጋታቱ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክንህር ይርአ።

እዚ ምስ ወሰኽ ዋጋታት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ተተሓሒዙ ዝርአ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት፣ ተደናገጽቲ ስርዓት ኣል በሺር የጎሃህርዎ ከምዘለዉ’ዩ ግዝያዊ መንግስቲ ዝወቅስ።

ህዝቢ ሱዳን፣ ስርዓት በሺር ኣብ ዝኣለየሉ እዋን፣ ከም መበገሲ እቲ ተቓውሞ ዘልዓሎ ጉዳይ፣ ናህሪ ዋጋታት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት እኳ እንተኾነ፣ እቲ ስርዓት ካብ ዝእለ ካልኣይ ዓመቱ ተቓሪቡ፣ ዝመጸ ለውጢ ግን የለን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0