ሱዳን፣ ዋሕዲ ባጤራ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ጸቕጢ ይፈጥር

ሱዳን፣ ዋሕዲ ባጤራ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ጸቕጢ ይፈጥር

Radio Erena: 16 November 2018

Sudan cash shortage

ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ባጤራ፣ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ጸቕጢ ፈጢሩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብሰንኪ ዝቕባበ ሰንከልከል ንዝብል ዘሎ ዕዳጋታት ንምርግጋእ ሓድሽ ናይ 100 ፓውንድ ወረቓቕቲ ዘሕተመ መንግስቲ ሱዳን፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ንመጠን ሸርፊ ፓንድ ብኣስታት 50 ሚእታዊት ከምዝዛይድ’ዩ ጌርዎ።

እንተኾነ ዝቕባበ ካብቲ ዝነበሮ እናበኣሰ ስለዝኸደን ህዝቢ ድማ ኣብ ባንክ ዝነበሮ እምነት እናጎደለ ስለዝመጸን፣ ዝነበሮ ውህሉል ገንዘብ ብብዝሒ ክስሕብ’ዩ ተረእዩ።

ብሰንኩ ድማ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ባጤራ ቁጽጽር ብምግባር፣ ኣብ ዕዳጋታት ዝዘውር ባጤራ ኣውሒድዎ ከምዘሎ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

ይኹን’ምበር እዚ ሃንደበት ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ባጤራ፣ ናይ ምዕዳግን ምሻጥን መስርሕ ብኣሉታ ጸልይዎ ስለዘሎ፣ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ጸቕጢ ፈጢሩ ከምዘሎ እቶም ተንተንቲ የመልክቱ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክርአ ዝጸንሐ ወሰኽ ዋጋታት ባኒ ንምርግጋእ፣ እብ ፊኖ ናይ 40 ምእታዊት ወሰኽ ድጎማ ክገብር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሱዳን ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣትሒዙ ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው፣ ዋጋታት ከም ባኒን ነዳዲን ዝኣመሰለ መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ብዝተዓጻአፈ’ዩ ክንህር ጸኒሑ።

ስእሊ፣- ዳባንጋ

====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0