ሱዳን፣ ወትሃደራዊ መኮንናት ቀጠር ተሰልጥን

ሱዳን፣ ወትሃደራዊ መኮንናት ቀጠር ተሰልጥን

Radio Erena: 21 August 2018

 albeshr militaryኣብ ሱዳን ክስልጥኑ ዝጸንሑ ወትሃደራዊ መኮንናት ቀጠር ከምዝተመረቑ ኣገልግሎት ዜና ቀጠር ሓቢሩ።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመረቑ 108 መኮንናት ቀጠር፣ ኣብ ኣጋርን መካናይዝድን ዘተኮረ ፍሉይ ታዕሊም ከምዝወሰዱ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ንልዕሊ ሓደ ዓመንት መንፈቕን ንዝተዋህቦም ጽዑቕ ወትሃደራዊ ስልጠና ዛዚሞም፣ ኣብ ወትሃደራዊ ኣካዳሚ ኡምዱርማን ኣብ ዝተመረቕሉ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ወትሃደራውያን ኣዘዝቲን ሱዳንን ቀጠርን ተረኺቦም።

ሱዳን፣ ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ብስዑዲ ዓረብ ጸቕጢ ይግበረላ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እንተኾነ ምስ ቀጠር ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሓ ዝምድና ከምዘይትበትኽ ዘነጸረት ሱዳን፣ ክሳብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝኸይድ ርክባት ትቕጽሎ ኣላ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሱዳንን ቀጠርን ንጸጥታ ኤርትራ ንምዝራግ ይሰርሓ ኣለዋ ክብል ምውቃሱ ኣይርሳዕን።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0