ሱዳን፣ ካብ ዘላቶ ቁጠባዊ ዓዘቕቲ ክትወጽእ ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልያ ተገሊጹ

Radio Erena: 26 August 2019

ሱዳን፣ ካብ ዘላቶ ቁጠባዊ ዓዘቕቲ ክትወጽእ ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልያ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዓብደላ ሓምዶቕ ገሊጹ።

ንሱ፣ ብ24 ነሓሰ፣ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሱዳን፣ ብከቢድ ዝተሃስየ ቁጠባኣ ናብ ንቡር ክምለስን ካብ ወጻኢ ሃገራት ንእትሽምዎ ምወላ ዝውዕልን፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት፣ 8 ቢልዮን ዶላር፣ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ከምዘድልያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ካዝና እታ ሃገር ንምሕያል፣ ኣብዚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን 2 ቢልዮን ዶላር ምቅማጥ ከምዘድሊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣመልኪቱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብዛዕባ’ዚ ንሱዳን ካብ ዓዘቕቲ ከድሕና ይኽእል’ዩ ዝበሎ እማመታት ምስ ባንክ ዓለም ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ዝርርብ ጀሚሩ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣመሪካ ካብ 1993 ኣትሒዛ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረ ጸቕጢ፣ ኣብ ቁጠባ ሱዳን ከቢድ ሃስያ ከምዝጸንሖ ብምዝኽካር፣ ንሱዳን ካብ መዝገብ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ንምስራዛ ምስ ሰበ ስልጣን ዋሽንግትን ይዝቲ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

ቁጠባ ሱዳን ንምሕዋይ፣ ካብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ሓገዝ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝንበሩ ሱዳናውያን’ውን ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎም’ዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።

ኮሚሽነር ቁጠባ ኣፍሪቃ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ነበር፣ ወዲ 61 ዓመት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ዶክተር ዓብደላ ሓምዶቕ፣ ሎሚ ሰኑይ 26 ነሓሰ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ግዝያዊ መንግስቲ ሱዳን ክረቁሕ ትጽቢት ኣሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0