ሱዳን፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ንኽትቅበል ኣብ ስምምዕ በጺሓ ተባሂሉ

Radio Erena: 25 October 2020

ሱዳንን እስራኤልን፣ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ወግዓዎ ዝምድና ከምዝመስረታ ድሕሪ ምግላጹ፣ ሓደ ካብቲ ብቀዳምነት ኣብ ስምምዕ ክበጽሓሉ ዝኽእላ ነጥብታት፣ ጉዳይ እቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ዮርሳሌም ፖስት፣ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ሱዳን፣ ካብ እስራኤል ንዝምለሱ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ኣብ ዝብል ነጥቢ ንኽትዝቲ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፣ ቤንያሚን ናታንያሁ ብሰንበት 25 ጥቅምቲ ንካቢነ ኣብ ዝሃብ መብርሂ፣ ምስ ሱዳን፣ ጉዳይ ስደተኛታት ዝርከቦ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ንምምይያጥ፣ ላዕለዋይ ልኡኽ ናብ ካርቱም ክሰድድ ምዃኑ ጠቒሱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብወገኑ፣ ምስ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ካልእን ዘተኮረ ዘተ ከምዝካየድ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ።

ሓያሎ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት እስራኤል ግና፣ ሱዳን ድሮ ካብ እስራኤል ንዝምለሱ ሓተቲ ዑቕባ ክትቕበል ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ጠቒሶም።

ራድዮ ኣርሚ እስራኤል ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፣ ብዛዕባ ምምላስ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ዘጽንዕን ዝከታተልን ኮሚተ ከቕውም ምዃኑ ሓቢራ።

ኣብ እስራኤል፣ ኣስታት 30 ሽሕ ዝግመቱ ሓተቲ ዑቕባ ክህልዉ እንከለዉ፣ እቶም ልዕሊ 20 ሽሕ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኣስታት 6 ሽሕ ድማ ዜጋታት ሱዳን ምዃኖም ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ነዞም ንዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ዝተፈላለየ መሰናኽል እናፈጠረ ጉዳዮም ከንጽግ ዝጸንሐት ሓተቲ ዑቅባ፣ ሓንሳእ ናብ ኡጋንዳ ካልእ እዋን ድማ ናብ ርዋንዳ ንምስጓጎም ዝተፈላለየ ጻዕርታት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0