ሱዳን፣ ካብ ምስ ኢራን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዝምድና ከምዝድልድል ፕረዚደንት ኣልበሽር ገሊጹ

ሱዳን፣ ካብ ምስ ኢራን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዝምድና ከምዝድልድል ፕረዚደንት ኣልበሽር ገሊጹ

Radio Erena: 14 October, 2014

Albashir

ሱዳን፣ ንሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ኢራን ድሕሪ ምስጓጓ ዝምድንኣ ምስ ስዑዲ ዓረብ ናብ ንቡር ተመሊሱ ምህላዉ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ንኣልሻርቕ ኣልኣውሰጥ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ ርክብ ሱዳንን ኢራንን ዝጸንሓ ሓበሬታ ዝተጋነነን ዝተሰንዐን’ዩ ድሕሪ ምባል ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዎም ዝምድና ከምዝተመሓየሸ ኣረዲኡ።

ኣብ ካርቱም ዝነበረ ባህላዊ ማእከላት ኢራን፣ ኣብ እምነት ሽዓ ዘተኮረ ትምህርትን ጎስጓስን ጸኒሑ ብዝብል፣ መንግስቲ ሱዳን እቲ ማእከላት ክዕጽን፣ ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ኢራን ከኣ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክወጹ ምእዛዙን ዝዝከር’ዩ።

 

ሱዳንን ኢራን፣ ኣብ ወትሃደራዊ ስልቲ ዘተኮረ ምትሕግጋዝ የካይዳ ኣልዋ ዝብል ሓበሬታ ንሓያሎ ዓመታት ክዝርጋሕ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

ምስ ኢራን ስትራቴጅያዊ ዝምድና የብላን ዝበለ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ኢራን ንዘጋጠማ ቁጠባዊ ብድሆታት ንምምካት መንግስቲ ሱዳን ካብ ኢራን ዝጠለቦ ሓገዝ ከምዘይረኸበ ነቒፉ።

ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ልሒኹ ዝተባህለ ንዝምድና ኢራንን ሱዳንን ዘቃልዕ ምስጢራዊ ሰነዳት፣ ዝተሰነዐ ምዃኑ ንሰበ ስልጣን ስዑዲ ከረጋገጸሎም ከምዝኸኣለ’ውን ፕረዚደንት ኣልበሽር ምስታ ኣብ ለንደን ዝመደበራ ብዓረብ እትሕተም ጋዜጣ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ብዘይካ’ዚ ምስ ግብጺ ዘለዎም ዝምድና ብኹሉ መለክዒታቱ ከዕብዮ ከምዝደሊ ብምጥቃስ ነዚ ንምትግባር’ውን ካብ 18ን 19ን ጥምቕቲ ናብ ካይሮ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ክዘራረብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሱዳንን ግብጽን ብሰንኪ ዞባ ሓላይብ ኣብ ዶባዊ ምስሕሓብ እኳ እንተለዋ፣ ሰለማዊ መዕለቢ ከምዝርከበሉ እምነት ከምዘለዎ’ያ ሱዳን ትገልጽ።

ኣብ ጉዳይ የመን ዘለዎ መርገጺ’ውን ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ንከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ብሁቲ ዝፍለጡ ዕጡቓት ሺዓ ካብቶም ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ዳዒሽ ወይ ኣይሲ ንላዕሊ ሕደገኛ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።

ብኣመንቲ ሺዓ ዝተዓብለለት ኢራን ናብቶም ንሰንዓ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ኣመንቲ ሺዓ ናይ የመን ብመንገዲ ሱዳን ወይ ድማ ብመንገዲ ኤርትራ ንምሕጋዞም ጻዕርታት ከምእተካይድ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት ግና፣ ዕጡቓት ሺዓ ናይ የመን ንሱዳን’ውን ስግኣት’ዮም።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ሱዳን ምስ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብሱዳን፣ ግብጺ ብክሊ ማይ ድማ ምስ የመንን ስዑዲ ዓረብን እትዋሰን ሪፖብሊካዊት ሃገር’ያ።
==================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0