ሱዳን፣ ካብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን 1.8 ቢልዮን ዶላር መብጽዓ ተኣትዩላ

Radio Erena: 29 June 2020

ሱዳን፣ ናብ ደሞክራስያዊ መስርሕ ንምስግጋር ኣብ እትሓልፎ ዘላ መንገዲ ንምሕጋዝ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ናይ ኣስታት 1.8 ቢልዮን ዶላር መብጽዓ ከምዝኣተዋላ ተገሊጹ።

እቲ መብጽዓ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶን ወከልቲ ሓያሎ ሃገራትን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቪድዮ ዋዕላ’ዩ ተኣትዩ።

ብመሰረት ‘ቲ ቁጠባ ሱዳን ንምብርባርን ናይ ስራሕ ዕድላት ንምፍጣርን ዝተኣተወ መብጽዓታት፣ ሕብረት ኤውሮጳ 312 ሚልዮን፣ ኣመሪካ 356 ሚልዮን፣ ጀርመን 150 ሚልዮን ፈረንሳ ድማ 100 ሚልዮን ዶላር’ዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብወገና፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምዃን ንሱዳን ዝኣተውኦ ናይ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር መብጽዓታት፣ ተወሳኺ 50 ሚልዮን ዶላር ክትህብ ምዃና ቃል ኣትያ።

እቲ ዋዕላ ብመንግስቲ ጀርመን ዝተወደብ ኮይኑ፣ ሱዳን ንእትኽተሎ ዘላ ናይ መሰጋገሪ መስርሕ እናሓለወ ደረጃ ብደረጃ ዝትግበር’ዩ።

ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝምራሕ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቱ ሱዳን፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት 8 ኣዋርሕ ግዜ ናብ ሲቪላዊ ወገን ክሰጋገር’ዩ።

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ናይ ሰለስተ ዓመት ዕድሚኡ ምስ ኣብቀዐ ኣብታ ሃገር ሓፈሻዊ ደሞክራስያዊ ምርጫ ክካየድ ተመደቢቡ ኣሎ።

ካብቲ ንሱዳን ተኣትዩ ዘሎ ናይ ገንዘብ መብጽዓታት ሓደ፣ እታ ሃገር ንምርጫ ኣብ እትገብሮ ምድላው ንምሕጋዝ ክውዕል’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0