ሱዳን፣ ኣብ የመን ዝርከብ ሰራዊታ ናብ ኣስታት 600 ኣውሪዳቶ

Radio Erena: 16 January 2020

ሱዳን ኣብ የመን ዝርከብ ሰራዊታ ናብ ኣስታት 600 ከምዘውረደቶ ኣፈኛ ፍሉይ ሓይልታት ሰራዊት ብርጋደር ጀነራል ጀማል ኣደም ገሊጹ።

ንሱ ንንኣናዶሉ፣ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ፣ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ የመን ዝርከብ ሰራዊት ሱዳን 657 ጥራይ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

እዚ ሰራዊት ሱዳን ኣብ የመን ዝነበረ’ውን ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ የመን ዝነበረ ኣስታት 15 ስሕ ሰራዊት ናብ ኣስታት 5 ሽሕ ምጉዳሉ’ዩ ጠቒሱ።

ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን ጀነራል ሓምዳን ዳግሎ’ውን ኣቐዲሙ ኣስታት 10 ሽሕ ሰራዊት ካብ የመን ከምዝተሳሕበ’ዩ ኣመልኪቱ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ንዝተበገሰ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ናይ የመን ብምድጋፍ፣ ዝበዝሐ ሰራዊት ዝልኣኸት ሱዳን’ያ ኔራ።

እንተኾነ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ 5 ዓመቱ ዝኾነ ዓመታት ከመግዝብ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ኣብ ልዕሊ’ተን ሰራዊተን ናብቲ ሃገር ዝልኣኻ ሃገራት ከቢድ ወትሃደራዊ ክሳራታት’ዩ ኣኸቲሉ።

ስዑዲ ዓረብ ሕቡራት ኢማራትን፣ ብ 2015 ኵናት ኣንጻር የመን ኣብ ዝኸፈታሉ፣ ኤርትራ እትርከበን 31 ሃገራት ብልፍንቲ ከምዝተጸንበራ ኣይርሳዕን።

ክልትኤን ሃገራት ኣብ የመን ዝወጠንኦ መደባት ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ ሕቡራት ኢማራት’ውን ካብ ብዙሕ ከባቢታት ሰራዊታ ብምስሓብ፣ እትድግፎም ሚሊሻታት ክትሓድገሉ እንከላ፣ ስዑዲ ድማ ምስ ሑቲ ብፖለቲካዊ ዘተ’ያ ክትቀራረብ ወሲና።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0