ሱዳን፣ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ 83 ሓደስቲ ብሕማም ኮሌራ ዝተጠርጠሩ ሰባት

Radio Erena: Friday, 15 December 2023

ምቁጽጻር ለበዳ ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን፣ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ 83 ሓደስቲ ብሕማም ኮሌራ ዝተጠርጠሩ ሰባት ከም ዝመዝገበ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልላት ገዳረፍን ገዚራን ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ክታበት ሕማም ኮሌራ፣ ካብ ዓለማዊ ምክልኻል ሕማም ኮሌራ 2.2 ሚልዮን መጠን ክታበት ድሕሪ ምቕባሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ተዛዚሙ።

ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ብኮሌራ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ፈለማ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ 12 ታሕሳስ 1702 ሰባት ክልከፉ ኸለዉ 63 ድማ ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብ2 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ እቲ ፈለማ ኣብ ገዳርፍ ዝተራእየ ለብዒ ኮሌራ፣ ናብ ዞባታት ከሰላ፣ ቀይሕ ባሕሪ፣ ካርቱም፣ ኣጀዚራ፣ ብሉ ናይል፣ ሰናር፣ ኮርዶፋንን ካልኦትን ኣብ ዝርከብ ብውሕዱ 46 ዓድታት ከምዘስፋሕፈሐ’ዩ ተጠቒሱ።

ገዳርፍ፣ ኣጀዚራን ቀይሕ ባሕሪን እተን ብዝያዳ ብኮሌራ ዝተጠቕዓ ዞባታት’የን።

ሕማም ኮሌራ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ዚምባብወን ብናህሪ የስፋሕፍሕ ከም ዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0