ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ ፈተነ ቅትለት ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ

Radio Erena: 27 April 2020

ኣብ ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም፣ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ ፈተነ ቅትለት ከምዝተኻየደ ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ፣ ኣናዱሉ ሓቢሩ።

እቲ ፈነተ ቅትለት ብ23 ሚያዝያ ከምዝተኻየደ ዝሓበረ እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ ስምን ምሉእ ማዕረግን ናይቲ ፈተነ ቅትለት ዝተኻየደሉ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ ኣየነጸረን።

መንነቱ ዘይተነጸረ ዕጡቕ፣ ኣብ ካርቱም፣ ብመኪና ኣብ ልዕሊ ዝጓዕዝ ዝነበረ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ ሃንደበታዊ ቶዅሲ እኳ እንተኸፈተ፣ እቲ ኣመሪካዊ ንስክላ ከምዝደሓነ’ዩ ተገሊጹ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ካርቱም ይኹን መንግስቲ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ዚ ተኻይዱ ዝተባህለ ፈተነ ቅትለት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃቡን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0