ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ዘሰሓሕበን ዘሎ ጉዳይ ክትሽምግል ምዃና ገሊጻ

Radio Erena: 18 March 2020

ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ኢትዮዮጵያን ግብጽን፣ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን እናተጎሃሃረ ዝመጽእ ዘሎ ምስሕሓብ ክትሽምግል ምዃና ምክትል ኣቦ መንበር ናይቲ ንሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ሉኣላዊ ባይቶ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ገሊጹ።

ኣገልግሎት ዜና ግብጺ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ጀነራል ዳጋሎ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ተፈጢሩ ንዘሎ ምርሕሓቓ ንምጽባቡ ሱዳን ክትሰርሕ ምዃና’ዩ ጠቒሱ።

ሱዳን ኣብ እዋን ስርዓት በሺር ንመርገጺ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ናይልን ዲጋ ተሃድሶን ትድግፍ ምንባራ ዝፍለጥ’ዩ።

ይኹን’ምበር ድሕሪ ምእላይ ስርዓት በሺር ዝቖመ መሰጋግርሪ መንግስቲ ሱዳን፣ መርገጺኡ ናብ ግብጺ ዛዝዩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ግብጺ ናብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ንዝቐረበቶ እማመ ተቓዊሙ።

ኢትዮጵያ ካብቲ ብምምሕዳር ትራምፕ ባንክ ዓለምን ተማእክሉ ዝካያድ ዝነበረ ዘተ ብሃንደበት ድሕሪ ምስሓባ፣ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ንምግባር ናብ ማሕበር ሃገራት ዓረብን ሕብረት ኤውሮጳን’ያ ልኡኻታ ኣዋፊራ።

ንመርገጺ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ባይል ንግብጽ ዝህልዎ ሓለፋ ዝተቓወመት ሱዳን ብወገና፣ እቲ ጉዳይ ብዘተን ምቕርራብን ንኽፍታሕ ዲፕሎማስያዊ ኣበርክቶ ክትገብር ምዃና’ያ ትእንፍት ዘላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ብምብጻሕ፣ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ከምዝተመያየጠ ዝዝከር’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0