“ሱዳን፣ ንመላእ ከተማ ካርቱም ከዕኑ ዝኽእል ተፈንጃሪ ባእታ ተታሒዙ”

Radio Erena: 18 September 2020

ኣብ ሱዳን፣ ተፈንጃሪ ባእታ ሒዞም ዝጸንሑ’ዮም ዝተባህሉ 41 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ታቕለሲር ኣል ሓብር ብ16 መስከረም ኣፍሊጡ።

እቶም ብ13 መስከረም ከምዝተታሕዙ ዝተገልጹ ሰባት፣ መንነቶም ይኹን ሒዞም ጸኒሖም ዝተባህለ ተባራዒ ባእታ ኣይተነጸረን።

ይኹን’ምበር እቲ ተታሒዙ ዝበሃል ዘሎ ብዝሒ ተፈንጃሪ፣ ንመላእ ከተማ ካርቱም ከዕኑ ዝኽእል ምዃኑ እቲ ኣሕባር ሕጊ ኣመልኪቱ።

ኣፈኛ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን፣ ጀማል ጃማ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ እቶም ጥርጡራት ክተሓዙ ዝኸኣሉ፣ ውጽኢት ናይቲ ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ ክካየድ ዝጸንሐ ሽበራውያን ናይ ምህዳን ስርሒት’ዩ።

ኣብ ሱዳን ከም ናይ ቤሩት ተመሳሳሊ ምፍንጃር ንኸጋጥም፣ ገለ ሰባት ተበራዒ ባእታ የእውዉ ኣለው ዝብል ጽንጽንታ ከምዝጸንሐ እቲ ኣፈኛ ገሊጹ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0