ሱዳን፣ ናይ ብሕቲ ትካላት ሸርፍን ሓዋላን ገንዘበን ከየንቀሳቕሳ ተኣጊደን

Radio Erena: 11 June 2020

ኣብ ሱዳን ዝርከባ ሓያሎ ናይ ብሕቲ ትካላት ሸርፍን ሓዋላን፣ ገንዘበን ከየንቀሳቕሳ ዝእግድ ኣዋጅ ወጺኡ።

እቲ ብኮሚቴ ምምላስ ዝተጠፋፍአ ሃብቲ ሃገር ብ9 ሰነ ዝወጸ ኣዋጅ፣ ኣብ ሱዳን ብሕጋዊ መንገዲ ክሰርሓ ናይ ዝጸንሓ 15 ዝኾና ትካላት ሸርፍን ሓዋላን፣ ኣብ ባንክ ዘሎ ገንዘበን ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረትን ካልእ ካፒታልን ኣብ ዘለዎ ክድስክል ምዃኑ’ዩ ኣፍሊጡ።

ሓደ ካብ ኣባላት እታ ኮሚቴ፣ ሳልሕ ማና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እዘን ትካላት፣ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምርካብ ክሕግዛ ተባሂሉ ብስርዓት ኣልበሺር ይሕብሐባ ከምዝነበራ ወቒሱ።

እንተኾነ እዘን ትካላት ብኣንጻሩ፣ ኣብ ልዕሊ ባጤራ ሱዳንን ሃገራዊ ባንክን ጸቕጢ ብምፍጣር፣ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝጸንሐን ኣረዲኡ።

ብዘይካ’ዚ፣ ስርዓት ኣልበሺር ብሰንኪ ዝተነብሮ እገዳ፣ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከምድላዩ ከንቀሳቕስ ስለዘይክኣለ፣ ብመንገዲ እዘን ትካላት ኣቢሉ ብዝሒ ዘለዎ ገንዘብ ካብ ሱዳን ከውጽእ ከምዝጸንሐ መግለጺ እቲ ኣባል ኮሚቴ ምምላስ ዝተጠፋፈአ ሃብቲ ሃገር ኣገንዚቡ።

ኣኽበርቲ ሕግን ስርዓትን ሱዳን፣ ነቲ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ከምዘሎ እኳ እንተተሓበረ፣ እቲ ምድስካል ገንዘብን ንብረትን እዘን ናይ ብሕቲ ትካላት ክሳብ መዓስ ከምዝጸንሕ ኣይተነጸረን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0