ሱዳን፣ ናይጀርያዊ ዲፕሎማሰኛ ተቐቲሉ

ሱዳን፣ ናይጀርያዊ ዲፕሎማሰኛ ተቐቲሉ

Radio Erena: 14 May 2018

Nigeria Diplomat killed in the Sudan

ኣብ ሱዳን፣ ናይጀራዊ ዲፕሎማሰኛት ከምዝተቐትለ መንግስታት ሱዳንን ናይጀርያን ኣረጋጊጾም።

እቲ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ናይጀርያ ኣብ ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ዝተመደበ ወይ ኢምግሬሽን ኣታሸ ዝነበረ ዲፕሎማሰኛ፣ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ’ዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

ቅትለት እቲ ናይጀርያዊ ዲፕሎማሰኛት ኣብ ምጽራይ እኳ እንተሎ ፖለቲካዊ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ’ዩ መንግስቲ ሱዳን ዝጠቕስ።

ይኹን’ምበር ጠንቂ’ቲ ገበናዊ’ዩ ዝብሃል ዘሎ ቅትለት ናይጀርያዊ ዲፕሎማሰኛ ዝኾነ ኣንፈት ከምዘይተረኽቦ ፖሊስ ሱዳን ኣመልኪቱ።

 ኣብ ሱዳን ካብ ዝተዋፈሩ ዲፕሎማሰኛታት ናይጀርያ ክቕትል ኣብዚ 10 ኣዋርሕ እዚ ንኻልኣይ እዋን’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፣ ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሱዳን ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ መሐንበሲ ሞይቱ ከምዝተረኸብ ይዝከር።

ሩስያ፣ ጠንቂ ሞት እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛኣ ኣብ ሱዳን፣ ድኻም ልቢ ምዃኑ’ያ ሓቢራ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0