ሱዳን፣ ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ 28 ስደተኛታት ከምዝተታሕዙ ተገሊጹ

ሱዳን፣ ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ 28 ስደተኛታት ከምዝተታሕዙ ተገሊጹ

Radio Erena: 30 August 2018

Janjaweed

 ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብቲ ምስ ሊብያን ግብጽን ዘዋስን ክፋል ሰሃራ፣ 28 ስደተኛታት ከምዝሓዙ ገሊጾም።

ሱዳን ትሪቡን ብዝቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ብጃንጃዊድ ዝፍለጡ ፍሉያት ሓይልታት ሱዳን’ዮም ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝሰግሩ ዝነበሩ ስደተኛታት ሒዞም።

ዜግነት ናይቶም ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ኣይተሓበረን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ተታሒዞም ዘለው ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ካልኦት ትካላት ናብ ውሑስ ቦታ ከግዕዞም ይጽውዑ ምህላዎም ተገሊጹ።

ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዜና ድማ፣ ኢጣልያ ናብ ገማግማ ከይትጽጋዕ፣ ን10 መዓልታት ከልኪላታ ዝጸንሐት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተገልጹ 190 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ካታንያ ኣትያ።

እታ ጃልባ ናብ ኢጣልያ ክትጽጋዕ ዝተፈቕደላ፣ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ዝተበጽሐ ምርድዳእ’ዩ።

ብመሰረት’ቲ ስምምዕ፣ እቶም ስደተኛታት ናብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ክከፋፈሉ’ዮም።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0