ሱዳን፣ ተጨውዮም ዝጸንሑ 80 ቆልዑ ናብ ስድራቤታቶም ከምዝጸንበረት ኣፍሊጣ

ሱዳን፣ ተጨውዮም ዝጸንሑ 80 ቆልዑ ናብ ስድራቤታቶም ከምዝጸንበረት ኣፍሊጣ

Radio Erena: 01 August 2018

Shegerab

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ተጨውዮም ዝጸንሑ 80 ስደተኛታት ቆልዑ፣ ኣብ መዓስከራትን ካልእ ከባቢታትን ናብ ዝርከቡ ስድራቤታቶም ከምዝተጸንበሩ ንሃገራዊ ኮሚቲ ምምካት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

እቶም ቆልዑ ዝሓለፈ ዓርቢ 27 ሓምለ ናብ ስድራቤታቶም ከምዝተጸንበሩ ዘረጋገጸ ምክትል ኣቦመንበሪ እቲ ኮሚተ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋሮም ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፣ ጉዳዮም ሕጋዊ መስርሕ ይኽተል ከምዘሎ ጠቒሱ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተታሒዞም ዝጸንሑ 139 ሰባት፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ናጻ ከምዘውጸ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ምብራቕ ሱዳን፣ ሓደ ካብቲ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኤውሮጳ ንምፍላስ ብብዝሒ ዝውሕዝሉ ዞባ ምዃኑ ይፍለጥ።
=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0