ሱዳን፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝተኸሰሱ ክልተ መኮንናት ሰራዊት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ሱዳን፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝተኸሰሱ ክልተ መኮንናት ሰራዊት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

Radio Erena: 05 May 2015

human traffick

ፖሊስ ሱዳን፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ክነጥፉ ጸኒሖም ንዝበሎም ክልተ መኮንናት ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ማዕከናት ዜና ሱዳን ይጠቕሳ ኣለዋ።

እቶም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ዞባ ገዳርፍ፣ ከባቢ ጀበል ኡም ዶራር ዝተታሕዙ ክልተ መኮንናት ሰራዊት ሱዳን ሎሪ ብዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና 65 ኢትዮጵያውያን ዶብ ኣብ ዘስግርሉ ዝነበሩ እዋን ከምዝተታሕዙ’ዩ ተገሊጹ።

እቶም ክልተ ኣባልት ሰራዊት ሱዳን ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ፣ እቶም ኢትዮጵያውያን ድማ ጉዳዮም ተጻርዩ ናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኖም’ውን ጸብጻባት ዜና የመልክቱ።

 

ኣብቲ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዳውብብ ከባቢታት ሱዳን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ብብዝሒ ዝርአ ኮይኑ፣ ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ከኣ ኣባላት ጸጥታን ሰራዊትን እዘን ሃገራት ምዃኖም ብተደጋጋሚ ዝጥቐስ’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ብዝተኸሰሱ ጥራይ ዝውዕል ፍሉይ ቤት ፍርዲ ከምዘቖመን ገበነኛታት ኮይኖም ንዝተረኽቡ ድማ ክሳብ 20 ዓመት ክኣስር ምዃኑን ብወግዒ እኳ እንተገለጸ፣ ኣብ ግብሪ ግና ዝሰርሓሉ ነገረ ከምዘይኮነ’ዩ ዝንቀፍ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ዞባ ከሰላ ብምስግጋር ደቂ ሰብ ተኸሲሶም ገበነኛ ኮይኖም ዝተፈርዱ ሓያሎ ሰባት፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምህዳሞም፣ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ካብ ሃገራት ምዕራብን ኣህጉራውያን ትካል ስደተኛታትን ዝውሕዞ ዘሎ ነቐፌታን ወቐሳን ንምህዳም ደኣ’ምበር ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ከምዘይሓዞ ዘነጽር ምዃኑ’ውን ሓያሎ ወገናት ከም ኣብነት የቕርቡ።

===================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0