ሱዳን፣ ብሰንኪ ዕልቕልቕ፣ ልዕሊ 12 ሽሕ ህዝቢ ካብ መነባብሩኡ ተመዛቢሉ

Radio Erena: 10 August 2021

ኣብ ሱዳን፣ ብዝወረደ ሓያል ዝናብን ውሕጅ ዘስዓቦ ዕልቕልቕን፣ ልዕሊ 12 ሽሕ ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ከምዝተፈናቐለ ተገሊጹ።

8 ዞባታት እታ ሃገር በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ተጸልየን ኣለዋ።

ገዳርፍ፣ ኩለን ዞባታት ኮርዶፋንን ከባቢታት ከተማ ካርቱም ብዝያዳ ዝተጠቕዐ’ዩ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዘጋጠመ ዕልቕልቕ ጥራይ፣ ኣስታት 800 ኣባይቲ ምሉእ ብምሉእ ክዓኑ እንከሎ፣ ኣሽሓት ሄክታራት ናይ ሕርሻ መሬት በሪሱ፣ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ከብትን ጤሌበጊዕን ድማ ብውሕጅ ተወሲዶም ኣለዉ።

ብሰንኪ’ዚ ኣብዚ ወቕቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሓያል ዝናብን ዕልቕልቕን፣ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቒቑ።

========================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0