ሱዳን፣ ብሰንኪ ተቓውሞ ንጥፈታቱ ደው ኢሉ ዝጸንሐ ወደብ ፖርት ሱዳን ስርሑ ጀሚሩ

Radio Erena: 09 October 2020

ብሰንኪ ተቓውሞ ተወላዶ ብሄረ ቤጃ፣ ንጥፈታቱ ደው ኢሉ ዝጸንሐ ወደብ ፖርት ሱዳን፣ ስሩዕ ኣገልግሎታት ክህብ ከምዝጀመረ ንኣማሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዓብዱላሂ ሻንጋራይ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ንኣስታት 2 መዓልታት ስርሑ ድው ኢሉ ዝጸንሐ ወደብ ፖርት ሱዳን፣ ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ስርሑ ከምዝጀመረ’ዩ ተገሊጹ።

እቲ ወደብ ምሉእ ብምሉእ ንጥፈታቱ ከምዘይጀመረ ዘመልከቱ ካልኦት ወገናት ድማ፣ እቲ ናይ ነዳዲ ተርሚናል ጥራይ ከምዝተኸፍተ ጠቒሶም።

ኣብ ፖርት ሱዳን ዝተጀመረ ኣድማ ከምዝሃደአ እኳ እንተተገልጸ፣ ወጥርን ምትፍናን ገና ከምዘይሃድአ ዝተፈላለዩ ምንጭታት የመልክቱ።

ወደብ ይኹን ናብ ወደብ ዘእቱን ዘውጽእን መንገድታት ክኽፈት እንተኾይኑ፣ መንግስቲ ሱዳን ንሕቶ ተወላዶ ብሄረ ቤጃ ምላሽ ክህብ ኣለዎ ክብሉ’ዮም ወደብቲ እቲ ኣድማ ዝጠቕሱ።

ወኪል መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን መራሕቲ ብሄረ ቤጃን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብኣካል ተራኺቦም ክዘራረቡ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ፣ ብሄረ ቤጃ፣ ብዘይካ’ቲ ብመንግስቲ ንዝተመደበሎም ካብ ቀቢላ ቤን ዓሚር ዝኾነ ኣማሓዳሪ ምቅዋሞም፣ ክሳብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ዝጠልብ ሕቶታት’ዮም ኣልዒሎም ዘለዉ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0