ሱዳን፣ ብሰንኪ ‘ሽርሒ’ ተቛሪጹ ኔሩ ዝበሎ መጻረዩ ነዳዲ ስርሑ ከምዝጀመረ መንግስቲ ገሊጹ

Radio Erena: 03 November 2022

ኣብ ሱዳን፣ ካርቱም ዝመደበሩ ዝመጻረዩ ነዳዲ፣ ካብ ንጥፈታቱ ከምዝተሰናኸለ መርበባት ዜና ሓቢረን።

እቲ መጻረዩ ነዳዲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ደው ዝበለሉ ምኽንያት፣ ኣብ ዞባ ኮርዶፋን ዝርከብ፣ ናብቲ ናይ ካርቱም መጻረዩ ማእከል ነዳዲ ዝጭንጉዕ ሻምቖታት፣ መሰናኽል ስለዝበጽሖ’ዩ።

መንግስቲ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሻምቖታት ነዳዲ ዝተፈጠረ መሰናኽል፣ ‘ሽርሒ’ ክብል እኳ እንተጠቐሶ፣ ብዝርዝር ኣየነጸረን።

እቲ ብሰንኪ ‘ሽርሒ’ ንዝተወሰነ ሰዓታት ተቛሪጹ ኔሩ ዝበሎ መጻረዩ ነዳዲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ንቡር ስርሑ ተመሊሱ ከምዘሎ እቲ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ናብ ማእከላት መጻረዩን ዘራኽብ ሻምቖታት ነዳዲን፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምህላውን፣ ቅልጡፍ ጽገና እንተዘይተጌርሉ፣ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ደው ክብል ከምዝኽእልን ማሕበር ሰራሕተኛታት መጻረዩ ነዳዲ ሱዳን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ንዝዘርሖ መጠንቐቕታ ብምጥቃስ ራድዮ ዳባንጋ ኣቃሊሓ።

ብፍላይ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን ዝርከብ መጻረይ ነዳዲ፣ ብ27 ጥቅምቲ ተቓውሞ ብምክያዶም ሻምብቖታት ተዓጽዩ ከምዝነበረ እታ ራድዮ ብተወሳኺ ሓቢራ።

መዓልታዊ 75 ሽሕ በርሚል ዘይተጻረ ነዳዲ፣ ካብ ደቡብ ሱዳን ናብ ማእከላት መጻረዩ ሱዳን፣ ብሻምብቆታት ይውሕዝ።

እቲ ኣስታት 7 ሽሕ በርሚል ካብኡ፣ ናብቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኮርዶፋን ዝጭንጓዕ’ዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0