ሱዳን፣ ብመሪሕነት ኬንያ ንዝቐረበ ተበግሶ ሽምግልና ኢጋድ ነጺጋ

Radio Erena: Sunday 19 June 2023

ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፣ ንጉዳይ ሱዳን ንምሽምጋል ንዘቖሞ ኮሚቴ፡ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ ንኽመርሖ ንዝቐረበ እማመ፣ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ነጺጉ።

መራሕቲ ኣባል ሃገራትን መንግስታትን ኢጋድ ብሰኑይ 12 ሰነ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ነቲ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ጁቡቲን ደቡብ ሱዳንን ዝርከብኦ፡ ጉዳይ ሱዳን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝቖመ ላዕለዋይ ልኡኽ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ክክመርሖ’ዮም ተሰማሚዖም።

እንተኾነ፣ ኬንያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፣ ዘይሻራዊ መርገጺ የብላን ብዝብል፣ ብሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ዝጽዋዕ መንግስቲ ሱዳን ነቲ እማመ ከም ዝነጸጎ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዘተ ንሱዳን ወኪሉ ክሳተፍ ዝቐነየ፡ ንጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ብምትካእ ስልጣን ዝተረከበ፣ ምክትል ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ማሊክ ኣጋር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ እማመ ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ከም ዘይተዘርበሉ ብምጥቃስ፣ ሃገሩ፣ እቲ ናይ ሽምግልና ልኡኽ፣ ብፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት ክምራሕ ከምእትደሊ ኣነጺሩ።

መራሕቲ እቲ ወትሃደራዊ መንግስቲ፣ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ጁቡቲ ዑመር ገለ ከም ዝተዘራረበን፡ ሱዳን ኢጋድ ዘቖሞ ልኡኽ፣ ብኬንያ ክምራሕ ከም ዘይትደሊ ከም ዝገለጸሉን እቲ መንግስቲ ብ15 ሰነ ኣፍሊጡ።።

እቲ ብመንግስቲ ሱዳን ዝወጸ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኬንያ ዘይሻራዊ መርገጺ ኣብ ርእሲ ዘይምህላዋ፡ ቀንዲ መዕቆቢት ናይቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ምዃና’ዩ ወቒሱ።

ኢጋድ፣ ግጭት ሱዳን ካብ ዝባራዕ ጀሚሩ፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ዝተፈላለየ ጻዕርታት ክገብር`ኳ እንተጸንሐ፡ክሳብ ሕጂ ውጽኢታዊ ስራሕ ክገብር ከም ዘይከኣለ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0