ሱዳን፣ ስምምዕ ሰላም፣ ኣብ ህዝቢ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ይፈጥር

Radio Erena: 18 August 2019

ንሓያሎ ሳምንታት ኣብ ወጥሪን ክትዕን ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ሱዳን ብምፍራሙ ዝተጸወዐ ናይ ጽምብል መዓልቲ፣ ኣብ ህዝቢ ሱዳን ዝተሓዋወሰ ስምዒት ፈጢሩ።

እቲ ቀዳም 17 ነሓሰ ክኸውን ዝተመርጸ ጽምብል፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን እኳ እንተተጸምበርዎ፣ ዝበዝሑ ካብኣቶም፣ ውግእ ሓድሕድን ምቅታል ደው ምባሉ ደኣምበር፣ ነቲ ስምምዕ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ተኣማሚኖምሉ ከምዘይኮኑ ንማዕከናት ዜና ዓለም ገሊጾም።

ከምዝፍለጥ ሓያሎ ዕጡቓት ተቓወምቲ ውድባት፣ ነቲ ስምምዕ ሰላም ስለዘይደገፋኦ፣ ኣብቲ ጽምብል ከምዘይሳተፋ ኣቐዲመን ኣፍሊጠን እየን።

ፖለቲከኛታት ሱዳን ብወገኖም ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ትንታነ፣ እቲ ወተሃደራዊ ቆንስል ንዝመጽእ ዓመትን መንፈቕን ስልጣን ኣብ ዝሕዘሉ፣ ንኩሉ ክገጥሞ ዝኽእል ዕንቅፋት ዝበሎ ሓይሊ ብስቱር ከጥፍእ ዕድል ክረክብ እዩ ክብሉ፣ እቲ ቆንስል ስልጣኑ ክገድፍ መደብ ከምዘይብሉ ይገልጹ።

እዚ ብሓያሎ ፖለቲከኛታት ሱዳን ተቐባልነት ዘይረኸበ ስምምዕ ሰላም፣ ንጠለብ ህዝቢ ሱዳን ዝምልስ ኣይኮነን ክብል ሰውራዊ ግንባር ሱዳን ብወገኑ ነቲ ጽምብል ተሓሲሙዎ ኣሎ።

መራሕቲ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ጫድን ኢትዮጵያን፣ ኣብቲ ጽምብል ናይ ክብሪ ዕዱማት ክኾኑ እንከለዉ፣ ወከልቲ ኩወይት፣ ስዑዲ ዓረብን፣ ባሕረይንን ከኣ ክርከቡ ምዃኖም ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0