ሱዳን፣ ሲቪላዊ ስርዓት ንምምስራት፣ ኣብ መንጎ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶን ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውድባትን ናይ ዘተ መድረኻት ይካየድ

Radio Erena: 30 April 2019

ሱዳን፣ ሲቪላዊ ስርዓት ንምምስራት፣ ኣብ መንጎ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶን ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውድባትን ናይ ዘተ መድረኻት ይካየድ ኣሎ።

ትማሊ ሰኑይ 29 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ክልቲኦም ወገናት፣ ክሳብ ምርጫ እታ ሃገር ዝካየድ፣ ግዝያዊ ናይ ልፍንቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ተመያይጦም።

ብጀነራላት ዝተመርሐ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ንክልተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ምዃኑ ድሕሪ ምእዋጁ፣ ህዝቢ ሱዳን፣ ምእላይ በሺር ጥራይ ዘይኮነ፣ ምሉእ ናይ ስርዓት ለውጢ ብምጥላብ ተቓውሞኡ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ይቕጽል ብምህላዉ’ዩ፣ እቲ ባይቶ ምስ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ናብ ምይይጥ በጺሑ ዘሎ።

እንተኾነ፣ ሓያሎ እስላማውያን ሰለፍታት ሱዳን፣ ኣብቲ ምይይጥ ብዘይምስታፈን፣ ንዓኣተን ገሊሉ ዝቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዘይቅበልኦ ይገልጻ ኣለዋ።

ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ከገልግል ዝጸንሐ ስርዓት ሸሪዓ ከምዘእለ እኳ እንተገለጸ፣ ኣኽረርቲ እስላማውያን ሰልፍታት ከምዘይጻወር’ዩ ዘጠንቅቕ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ከሰጋግር ብምጽዋዕ ሓይልታት ፖሊስ እታ ሃገር ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ የካይዱ ምህላዎም ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ይጠቕሱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0