ሱዳን፣ ሱዳናዊ በዓል ስልጣን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ’ዩ

Radio Erena: 11 July 2021

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፣ ንሱዳናዊ በዓል ስልጣን ነበር እኹል መርትዖ ስለዝረኸበሉ፣ መስርሕ ፍርዱ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ዘ ሄግ ዝመደበሩ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ብዕለት 9 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ መራሒ ምልሻታት ዳርፉር ዝነበረ ዓሊ ቁሻይብ፣ ፈጺሙዎ ንዝበሃል ገበናት እኹል መርትዖታት ከምዝረኸበሉ ኣፍሊጡ።
ዓሊ መሓመድ ዓሊ ዓብደልራሕማን ወይ ዓሊ ቁሻይብ ተባሂሉ ዝፍለጥ በዓል ስልጣን ነበር፣ ብ31 ገበናት እዩ ተኸሲሱ። ኣብ 2003 ዓመተምህረት ኣብ ዞባ ዳርፉር ፈጺሙዎ ዝበሃል ክሳብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኸይድ በደላት ብምፍጻሙ እዩ ብ2007 ዓመተ ምህረት፣ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክሲ ኣቕሪቡሉ።
ዓሊ ዓብዱልራሕማን፣ ኣብ 15 ሰነ ተሰዲዱ ካብ ዝነብረላ ዝነበረ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ባዕሉ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኢዱ ሂቡ።
መስርሕ ፍርዱ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክጅምር ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ እዚ ናይ መጀመሪያ ንፍርዲ ዝቐርብ በዓል ስልጣን ሱዳን ነበር፣ ናይ ይግባይ መሰል ከምዘለዎ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ጠበቑኡ ብጌጋ ስም እዩ ተታሒዙ እምበር፣ ነቲ ገበናት ኣይፈጸሞን ክብል ንማዕከናት ዜና ሱዳን ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0