ሱዳን፣ ምትእትታው ሃገራት ዓረብን ሩስያን ሓደገኛ ሳዕቤን ከየኸትል ተሰጊኡ

Radio Erena: 19 April 2019

ኣብ ሱዳን፣ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ንዘሎ ወትሃደራዊ ባይቶ ብወግዒ ዝደገፋ ሃገራት ዓረብን ሩስያን ዝፍጽምዎ ምትእትታው ሓደገኛ ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእል ፖለቲከኛታት እታ ሃገር የጠንቅቑ።

እዚ መጠንቀቕታ ዝቐርብ ዘሎ፣ ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ፣ ናብ ካርቱም ዑደት ብምክያድ ምስ ሓለፍቲ ወትሃደራዊ ባይቶ ምስጢራዊ ምይይጥ ድሕሪ ምክያዶም’ዩ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ናብ ሱዳን ዝበጽሐ ናይ መጀመርያ ወኪል መንግስቲ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ዑደት፣ ኣማኢት ሱዳናውያን ፣ ንምእትታው ግብጺን ሩስያን ኣብ ሃገሮም ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ህዝቢ ሱዳንን፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከቦም ማሕበረ ሰብ ዓለምን፣ ወትሃደራዊ ባይቶ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ኣብ ዝጽውዕሉ ዘለዉ እዋን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ግብጺን ሩስያን ነቲ ወትሃደራዊ ባይቶ ዘለወን ደገፍ ብምግላጽ ንምትሕግጋዝ ቅሩባት ምህላወን’የን ኣፍሊጠን።

እዘን ሃገራት ንወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ደገፈን ዝገለጻ፣ ንህዝቢ ሱዳን ካብ ምሕላይ ዘይኮነ፣ ብብዘለወን ፖለቲካዊ፣ ወትሃደራውን ጸጥታውን ረብሓታት ምዃኑ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል በሽር፣ ምስ ቀጠርን ቱርኪን ዝምድንኡ ክበትኽ ጸቕጢ ክገብራሉ ዝጸንሓ እዘን ሃገራት ዓረብ፣ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ባይቶ፣ ጠቕሊሉ ናብ ደምብአን ንምጽንባሩ ዝዓለመ ደገፍ ይገብራ ከምዘለዋ’ዩ ዝትንተን።

ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ናብ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ከይዛዙን፣ ዝጸንሐ ወትሃደራዊን ናይ ዕደና ረብሓታታን ከይዝሕትልን ከምዝሰግአት ዝንገረላ ዘሎ ሩስያ ብወገና፣ ነቲ ባይቶ ንምሕጋዙ ቅርብቲ ከምዘላ ብወግዒ ገሊጻ’ያ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0