ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውባ፣ ካብ ዝሓዘቶ መሬት ከምዘይትወጻእ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 26 February 2021

ሱዳን፣ ካብቲ ብ6 ሕዳር ኣትሒዛ፣ ተቖጻጺራቶ ዘላ መሬት ከምዘይትወጽእ ኣፍሊጣ።

‘ብኢትዮጵያ ተጎቢጡ ዝነበረ መሬት ኢና ኣምሊስና፣ ካብ መሬትና ድማ ኣይንወጻእን ኢና’ ዝበለ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ሞንሱር ቡላድ፣ እዚ ድማ ብመሰረት ኣብ 15 ግንቦት1902 ኣብ መንጎ’ታ ንሱዳን ትገዝእ ዝነበረት ብሪጣንያን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ንሱ፣ ንኣገልግልት ዜና ቱርኪ ኣብ ዝሃቢ መግለጺ፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ኣብ ዘለዎ ሉኣላዊ መሬት ሱዳን ስለዘሎ፣ ካብቲ ተዋፊርሉ ዘሎ ከባቢታት ክስሕብ ከምዘይኮነ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ መንግስቲ ሱዳን ናብ ዘተ ክቕርብ እንተኾይኑ፣ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ኣብ 6 ሕዳር 2020 ዝሓዞ፣ ኣብ ዶብ ዝርከብ ሰፊሕ ከባቢታት ክስሕብ ከምዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።

ኣቐዲሙ ንዝቐረበ እማመታት ክነጽግ ዝጸንሐ መንግስቲ ሱዳን፣ ብፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት ንዝቐረበ ናይ ዘተ መኣዲ ግና ከምዝሕወሶ ኣፍሊጡ ኔሩ’ዩ።

እንተኾነ፣ ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ቅድሚ 6 ሕዳር ዝነበሮ ከባቢታት ክምለስ ኣለዎ ዝብል ቅድመ ኩነት ስለዘቕረበት፣ እቲ መደብ ዘተ መደብ ኣይተዓወተን።

ንሱዳን ኢትዮጵያን ንምቕርራብ ተበግሶ ከምዝወሰደ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ክልተ እዋናት ልኡኻቱ ናብ ካርቱም እኳ እንተሰደደ፣ መንግስቲ ሱዳን ግና ነቲ ተበግሶ ከምዘይተቐበሎ ዲፕሎማሰኛታት ይእንፍቱ።

ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝወልዓቶ ግጭት፣ ንረብሓ ግብጺ ዘገልግል ናይ ውክልና ኵናት’ዩ ንዝብል መግለጺታት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ ንሱዳን ዘናሹን ይቕረ ዘይብሃሎን ምዃኑ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝወጸ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብቁጠዐ መሊሱ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0